ካብዘን 5 ሕጉሳት ከተማታት ዓለምና ኣበየነይተን ምንባር ምመረጽኩም?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣዕሩኽን ምሓዙትን ዝርከቡዎ ከባቢ ሕጉስ ክገብረካ ይኽእል እዩ። ካብኡ ዝሓለፈ ግን እቲ እትነብረሉ ኣከባቢ'ውን ኣብ ጥዕናኻን ታሕጓስካን ዓቢይ ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ። እምበኣር፡ ከተማኻ ኣብ ምሕጓስካ ተራ ኣለዋ ካብ በልና፡ ንሓንቲ ከተማ 'ሕጉስቲ ከተማ' ዝገብራኸ እንታይ እዩ?
ካብዘን ኣብ ቀዳሞት 5 ተሰሪዐን ዘለዋ ከተማታትከ ኣብ ኣየነይቲ 'ሕጉስቲ ከተማ' ክትነብሩ ምመረጽኩም?
ነዚ ንምፍላጥ፡ ተመራመርቲ ኢንስቲትዩት ኦፍ ላይፍ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ 2025 መዐቀኒ ሓጐስ ከተማ ኣውጺኦም፡ ኣብ ዜጋታት፡ ምሕደራ፡ ኣከባቢ፡ ቍጠባ፡ ጥዕናን ምንቅስቓስን ሓዊሱ ኣብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ምድባት 82 መርኣዪታት ተድላ ተኸታቲሎም። እቲ መዐቀኒ ኣብ ምዕሩይ ህይወት ኣበርክቶ ዝገብሩ ፖሊሲታት፡ ከምኡ'ውን ኣተገባብራኦምን ኣብ ነበርቲ ዘለዎም ጽልዋን ዝዕቅን እዩ።
እምበኣር እንታይ ዓይነት ፖሊሲታትታ እዩ ሕጕስቲ ከተማ ዝፈጥር ንምፍላጥ፡ ቢቢሲ ንነበርቲ እተን ኣብ ቀዳሞት ደረጃ ዝርዝር ሕጕሳት ከተማታት ዝኣተዋ ኣዘራሪቡ።
1. ኮፐንሃገን - ዴንማርክ
ዴንማርክ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝርዝር ሕጉሳት ሃገራት ስለ እትስራዕ፡ ርእሰ-ከተማኣ ዝለዓለ ነጥቢ ምርካባ ዘገርም ኣይኰነን። ኮፐንሃገን ብዘለዋ ሓምላይ ቦታታትን ምሕደራ ጎሓፍን ኣብ ምዕቃብ ኣከባቢ ዕዙዝ ነጥቢ ረኺባ።
ኣብ ቍጠባዊ መዳይ'ውን ብተመሳሳሊ ከም ሃገራዊ እቶት (GDP)፡ ማእከላይ ደሞዝ፡ ሓፈሻዊ ምህዞን ህላወ ዓለምለኻዊ ኩባንያታትን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ንተርታኣ ካብ ዘበረኹ እዩ።
እታ ከተማ ኣብቲ ከም ቤተመጻሕፍትን ቤተመዘክርን ዝኣመሰሉ ባህላዊ ጸጋታት ከምኡ'ውን ምትእስሳር ነበርትን ፍጻመታትን ኣብ ዘጠቓለለ ምድብ ዜጋታት'ውን ጽቡቕ ደረጃ ሒዛ። ነባሪት ናይታ ከተማ ማሪ-ኣነ ዳውራ፡ እቲ መግብን ባህላዊ ትርኢትን ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ክትፈቱዎ ከም ዝገበራ ትዛረብ።
"እታ ከተማ ኵሉ ግዜ ብናጻ እትሳተፈሎም ፍጻመታት ትውድብ እያ፣ ንኣብነት ዘ ኮፐንሃገን ላይት ፈስቲቫል ፡ ዘ ሂዩማን ላይብረሪ፡ ኮፐንሃገን ኩኪንግ ወይ ዲስቶርሽን ስትሪት ፓርቲታትን እታ ከተማ ንነበርታ ዝምስጥ ተመኵሮታት ንምውዳድ እትገብሮ ጻዕሪ ኣዝየ እየ ዘድንቕ፡" ትብል።
ነበርቲ ኮፐንሃገን እታ ከተማ ኣማራጺን ውሑስን ኣገባብ መጓዓዝያ ትዅረት ምሃባ እውን የድንቑ፣ "ዳርጋ ሓደ ሲሶ ወይ ልዕሊኡ ህዝቢ ብሽክለታ ዝጥቀም ኰይኑ፡ እታ ከተማ ንባዕላ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ብሽክለታ መስመር ኣለዋ፣ ብዙሓት ሰባት ካብን ናብን ከተማ ንምምላስ ይጥቀምሉ፡" ይብል ነባሪ ኣሮን ወርትሃይመር።
ካልእ ሸነኻት እታ ከተማ ንምርኣይ ኣውቶቡስ ምጥቃም ትመርጽ ካልእ ዳውራ ዝተባህለት ነባሪት ድማ፡ ኣብ ረፈን [ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ዝዓበየ ዕዳጋ መግቢ ጐደናታት] ዘሎ ውቁብ ትሪኢት ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢን መካይንን ዝፈጥረላ ባህታ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ዙሪክ - ስዊዘርላንድ
እዛ ኣብቲ መዐቀኒ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ዝዓበየት ከተማ ስዊዘርላንድ ድማ ብፍላይ ኣብ ምድብ ዜጋታት ከምኡ'ውን ኣብቲ ንተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ፖሊሲታት መንግስትን ተበጻሕነት ድጂታላዊ ኣገልግሎታትን ዝዕቅን ምድብ ምሕደራ፡ ህይወት ነበርቲ ኣብ ምምሕያሽ ብዝጻወቶ ተራ ልዑል ነጥቢ ረኺባ።
እዚ ቅልል ዝበለ ኣነባብራ ድማ ንመነባብሮ ካብ ጸቕጢ ናጻ ከም ዝገብሮም እዮም ነበርቲ ዝገልጹ። ብዘይካ'ዚ እታ ከተማ ኣዝያ ውሕስቲ ምዃናን ሰዓታቱ ፍሉጥ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምህላዋን ካብቲ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። ብዘይካ'ዚ ዙሪክ ጽርይቲ ከተማ ምዃና'ውን ሓደ ካብቲ ብልጫኣ እዩ።
እታ ከተማ ንጹር ሕግን መምርሒታን ስለ እትኽተል ድማ፡ እቲ 'ሕራይ ዝብል እንተ ዘይብሉ፡ እቲ መልሲ ኣይፋል ከም ዝዀነ ፍለጥ' - ዝብል ዘይወግዓዊ ጭርሖኣ ኵሉ ነባሪ ከም ዝኽተሎ ዝጠቅስ ኣሚለ ጊኦት፡ ንነበርቲ ንዅሉ ጐደናታት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ብጽሬት ክሕዙ ከም ዝድርኾም ትገልጽ።
ብዘይካ'ዚ፡ ናይታ ከተማ ናጻ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝህቡ ነቝጣታታ'ውን ካብቲ ዘንእዳ እዩ።
3. ሲንጋፖር

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ሲንጋፖር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ መዐቀኒታት እስያውያን ከተማታት ልዑል ደረጃ ትሕዝ እያ። እዚ ድማ ብሰንኪ ዘለዋ ምቹእ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ጽሬትን ትሕተ-ቕርጽን ሓንቲ ካብተን ሕጉሳት ሃገራት እስያ ምዃና ይፍለጥ። ኣብቲ ናይ 2025 ሕጕስቲ ከተማ መዐቀኒ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ሓድሽ ዝተኣታተወ ናይ ጥዕና መከታተሊ መስርሕ፡ ጽቡቕ ነጥቢ ኣመዝጊባ።
እዚ ከም ክታበት ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ህዝባዊ ጥዕናን ንወጻኢታት ጥዕና ዝኸውን ፋይናንሳዊ ሓለዋን ዝከታተል እዩ።
ንልዑል ናህሪ መንባብሮ እታ ከተማ ንምብዳህ ዝተኣታተወ መስርሕ ምውናን ኣባይቲ ዝሓቘፈ ምሕደራ'ውን ካብቲ ዝንኣድ እዩ።
ነበርቲ ትሕተ-ቕርጺ እታ ከተማ ከመይ ገይሩ ንህይወት ብቐሊሉ ከተስተማቕር ከም ዝገብራን "ኪንዮ ምቹእነት፡ ፖሊሲታት ሲንጋፖር ኣብ ዙርያ ሓምላይ ከባቢታት፡ ድሕነትን ሕብረ-ባህላዊ ሓቛፍነትን'ውን ብሓቂ ጐሊሑ ዝርአ፡" ምዃኑ ነባርን ወናኒ ትካልን ሳሙኤል ሁንግ የረድእ።
4. ኣርሁስ - ዴንማርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣርሁስ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዴንማርክ ብምዃና፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ ዓለም ዝነኣሰት ዓባይ ከተማ" ትበሃል፡ እዚ ድማ ነበርቲ ከተማዊ ምቹእነት ምስ ንእሽቶ ማሕበረሰባዊ ስምዒት ብምውህሃድ ሕጕሳት ኰይኖም ንኽጸንሑ ብምሕጋዛ እዩ። እታ ከተማ ኣብ ኵሉ መለክዒታት ጽቡቕ ነጥቢ ኣመዝጊባ፣ ብፍላይ ግን ኣብ ዜጋታት፡ ኣከባብን ጥዕናን - ነበርቲ ኣብዚ ምቹእ ህይወት ንኽመርሑ ይሕግዘና እዩ ብዝበሉዎ ረቛሒታት።
ሕጉስ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ኣብ ቍሳቝሳዊ ቀረብ ዘይኰነስ ኣብ ምቹእ ኣነባብራ ዝተጸፍየ ምዃኑ እትገልጽ ነባሪት ክርላ ኒና፡ "ሓንቲ ከተማ ንጽቡቕ ህይወት ብሓቂ ከተጣጥሕ እንከላ፡ ሓጎስ ክሳብ ክንደይ ተበጻሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚበ፡" ብምባል ንኸተማኣ ከም እተስተማቕራ ትገልጽ።
5. ኣንትወርፕ - ቤልጅዩም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣንትወርፕ ኣብ መዐቀኒ ሕጕሳት ከተማታት፡ ኣብ ምድብ ዜጋታት፡ መንግስትን ከባብን ዝለዓለ ነጥቢ ረኺባ። ነበርቲ ነቲ ዘተኣማምን ህዝባዊ መጓዓዝያኣ፡ ውሑስን ቀሊልን መስመራት ብሽክለታኣን ስፍሓቱን ይንእዱ - እዚ ኵሉ ንመጓዓዝያ ቍልጡፍን ቀሊልን ይገብሮ።
እታ ከተማ ጽቡቕ መግብን ውቁብ ስነህንጻን ዘለዋ ምጭውቲ ምዃና እትገልጽ ነባሪት ግሬስ ካርተር፡ "ኣብዚ ኣብ መዓልታዊ ስራሕካ ኣፍራዩ ክትከውን ዝሕግዘካ ህዱእ ኣነባብራ ኣሎ፡" ትብል።
ብተወሳኺ፡ እታ ከተማ ንዝሰርሑ ስድራቤታት ደገፍ ብምሃብ፡ ማሕበራዊ ኣባይትን ውሕስነትን ዝኣመሰሉ'ውን ገስጋሲ ፖሊሲታት ወፍሪ ብምግባር፡ ንህይወት ዝቐለለን ዝያዳ ባህ ዘብልን ከም ዝገብር ትሕብር።
ብሉጻት 10 ወርቂ "ሕጉሳት" ከተማታት ዓመተ 2025
1. ኮፐንሃገን
2. ዙሪክ
3. ሲንጋፖር
4. ኣርሁስ
5. ኣንትወርፕ
6. ሴኡል
7. ስቶክሆልም
8. ታይፒ
9. ሙኒክ
10. ሮተርዳም






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
