ጊኒ ቢሳው፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈሸለ ፕረዚደንት ኤምባሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ብዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝተወልዐ ከቢድ ተዅሲ ፈተነ ዕልዋ ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ዕልዋ ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን፡ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሳተፍ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኤምባሎ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ገበነኛታት "ከቢድ ሳዕቤን" ይጽበዮም ከምዘሎ ኣጠንቂቝ።
እዚ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ኣብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሪሕነቱ ዝተኻየደ ካልኣይ ፈተነ እዩ። እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ካብ ሓሙስ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ፍርቂ መዓልቲ ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጊኒ ቢሳው ተኣሲሩ ንዘሎ ሚኒስተርን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገርን ናጻ ከውጽእ ዝፈተነ ጕጅለ ወተሃደራዊ መራሒ ተባሂሉ ዝተገልጸ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ሰበስልጣን ናብ ደቡብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣግዒዝዎም ኣሎ።
ምስቶም መራሕቲ ጕጅለ ዕልዋ ዝተገብረ ዘተ ምስ ፈሸለ፡ ፍሉያት ሓይልታት እታ ሃገር ጣልቃ ብምእታው ሓያል ምልውዋጥ ተዅሲ ስዒቡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ተዛማዲ ህድኣት ከምዝተመልሰ ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሱሌይማን ሰይዲን ጸሓፊ ቤት-ግምጃ ኣንቶንዮ ሞንተሮን፡ 10 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣውጺኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
መርመርቲ ጸረ-ብልሽውና ጊኒ ቢሳው ን11 ኩባንያታት ዝኽፈል ክፍሊት ንምንጻር መርመራ ጀሚሮም ኣለው።
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ኣኼባ፡ ወነንቲ እተን ኩባንያታት ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ቅርበት ከምዘለዎም ከሲሱ።
ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ግን እቲ ክፍሊት ሕጋዊ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዝተጀመረ መርመራ ጸረ-ብልሽውና ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ከይኣቱ፡ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ከምዝተኣስሩን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ወተሃደራት ሃገራዊ ድሕነት ሓሙስ ኣማስያኦም ነተን ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ኣብ ዝርከብ ንቝጣ ፖሊስ ወሪሮም "47 ኣጽዋርን" ከምኡ’ውን ነቶም ዝተኣስሩ ሰበስልጣንን ኣብዘይተፈልጠ ቦታ ከምዘወሰድዎም ሓደ ብሕታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ዓርቢ ንግሆ ብሓይልታት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝምርሑ ወተሃደራት ኣብ ጐደናታት ተዋፊሮም ክዘሩ ከምዝተራእዩ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ጊኒ ቢሳው ኣብ 1974 ካብ ፖርቱጋል ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ተኸታታሊ ዕልዋን ፈተነ ዕልዋን ከም ዘጋጠማ ታሪኻ የመልክት።
ኣብ ለካቲት ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ኤምባሎ ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተዅሲ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ፈተነ ዕልዋ ከምዝደሓነ ይዝከር። ኣብቲ ኣጋጣሚ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ እታ ሃገር ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓቢሩ።
ገለ ግን ነቲ ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ይጠራጠርዎ እዮም፤ እዚ ድማ ብሓቂ ድሕሪ እቲ ፈተነ ዕልዋ መን ነይሩ፣ ክንደይ ሰባት ከምዝተሳተፉን መን ትእዛዝ ይህብ ከምዝነበረን ዝብሉ ሕቶታት ከይተመለሱ ተሪፎም።
ኣብ ጊኒ ቢሳው ዝርከብ ጋዜጠኛ ኣልበርቶ ዳቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነዚ ሕጂ ዘጋጠመ ፍጻመ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ብቐጥታ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።
"ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብዙሓት በዚ ተሓተትቲ ዝዀኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ብዘይ ዝዀነ ይዅን ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ገለ ላዕለዎት ኣባላት ሰራዊት ድማ ናጻ ክወጹ ይጠልቡ ኣለዉ፡" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
