እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰለስተ ደርፍታት ማይክል ጃክሰን ተኣልየን
ብናይ ሓሶት ድምጺ ዝተሰርሓ እየን ተባሂለን ብቐጻሊ ከዛርባ ዝጸንሓ ሰለስተ ደርፍታት ማይክል ጃክሰን፡ ካብ ኣገልግሎት ፈነወ ደርፍታት ተኣልየን።
‘Monster, Keep Your Head Up and Breaking News’ ዝብላ ዜማታት፡ ድሕሪ ሞት ማይክል ተዛዚመን ብ2010 [ኣ.ኤ] ኣብ ዝወጽአ ኣልበም ዝተኻተታ ስርሓት እየን።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሓንቲ ኣፍቃሪት ሙዚቃ ጃክሰን፡ እቲ ድምጺ ብዝተኸፍሉ ደረፍቲ ዝተመልአ'ዩ ክትብል ብዘቕረበቶ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከካትዓ ጸኒሐን።
ሙዚቃ ሶኒን ወኪል ንብረት ጃክሰንን ግን፡ ምእላይ እዞም ሙዚቃታት ምስ መበቈላውነት እቶም ስርሓት ዘተሓሕዝ የብሉን ኢሎም።
ነቲ ስጕምቲ ድማ፡ “ምስተን ዜማታት ተተሓሒዙ ዝነበረ እንካን ሃባን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ዝውድኣሉ ዝሓሸን ዝቐለለን መገዲ’ዩ” ክብሉ ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ትዅረትና ኣብ ዘሐጕስ ሓድሽን ቀጻሊ ፕሮጀክታት ውርሻታትን ማይክል ጃክሰን ክኸውን እዩ። ዝተረፉ ዜማታት እቲ ኣልበም'ውን ኣብ ቦታኦም ኣለው” ይብል።
እዚ ኣልበም ብ2010 ዝወጽአ ኰይኑ፡ ቅድሚ ናብ መደበራት ሙዚቃ ምኻዱ ግን፡ ስድራቤት እዚ ስነጥበባዊ ኵሎም ደርፍታት ሰሪሑ ወዲእዎም ድዩ ዝብል ጥርጣረታት የልዕሉ ነይሮም።
ንሱ ብ2009 ከም ዝሞተ ይዝከር።
ወዲ ሓው ቴርል፡ “ነዚ ጽላለ ክከላኸሎ ፈቲነ’የ፤ ኣይሰምዑንን” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ሓፍቱ ላ ቶያ ድማ፡ “ንሱ ኣይመስልን” ኢላ።
ሶኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብተኸታታሊ ኣብ ዘካየድናዮም መጽናዕቲታት ዝረኸብናዮም ውጽኢታት እምነት ነይሩና፤ እቶም ድምጻውያን ይዅኑ እቶም ምስኡ ኣብ ስቱዲዮ ዝነበሩ ኵሎም ናቱ’ዮም” ኢሉ።
እቲ ኣልበም ምስ ተፈነወ ኣብ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ “እዚ ኣልበም፡ ትሸዓተ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈነው ዜማታት ማይክል ጃክሰን ዝሓዘ’ዩ። እዚኦም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ኦሪጅናል ድምጽን ብኣወሃሃድቲ ብዝተገብረ ምውህሃድ ተወዲኦም ኣለው” ይብል።
ይዅን’ምበር፡ እቶም ሙዚቃታት ምስ ተሰምዑ ኣፍቀርቲ ኣብ ልዕሊ እተን ሰለስተ ዜማታት ጥርጣረታት ኣሕዲሮም።
እቲ ብወግዒ ዝበሃል፡ ጃክሰን ብ2007፡ ነዘን ዜማታት ጽሒፉ ምስ ኣባላት ጉጅለኡ ኤድዋርድ ካሲኮን ጄምስ ፖርቴን ከም ዝቐድሐን’ዩ።
ኣብዚ ዙርያ ዝወጽኡ ሕሜታታት ግን፡ ጃሰን ማላቺ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ደራፊ ዘምጽኦም ድምጻውያን፡ ነተን ስርሓት ከም ዝተጻወቱወን ይገልጹ።