ናብ መካነ እንስሳ ዘሊሉ ዝኣተወ ሰብ ብኣናብስ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, FORESTRY COMMISSION GHANA
ኣብ ርእሰተ ከተማ ጋና ኣክራ ኣብ ዝርከብ መካነ እንስሳ፡ ዘሊሉ ዝኣተወ ውልቀሰብ ብኣናብስ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊጹ።
እቲ ማእከላይ ዕድመ ከምዝነበሮ ዝተገለጸ ሰብ ብሰንበት ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ ውልቀሰብ ነቶም ኣብቲ መካነ እንስሳ ዝርከቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዱን ልዑል ኣቓልቦ ስሒቦም ዝርከቡን ክልተ ጸዓዱ ኮራኩር ክሰርቕ ወጢኑ ምንባሩ ከምዝጥርጥሩ ሰብ መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም እታ ሃገር ይገልጹ።
ድሕሪ እቲ ንብዙሓት ዘሰንበደ ፍጻመ እቲ መካነ እንስሳ ንዝተወሰነ ግዜ ክዕጾ እንከሎ፡ ኣስከሬን እቲ ግዳይ ካብቲ መካነ እንስሳ ከምዝተወሰደ’ውን ተገሊጹ።
ፖሊስ ንዕላማ እቲ ውልቀሰብን ንኩነታት እቲ መጥቃዕትን ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብቲ ሓጹር ሓደ ተባዕታይ፡ ሓንቲ ኣንስተይቲ ከምኡ’ውን ክልተ ጸዓዱ ኮራኩር ምንባሮም ተፈሊጡ።
ምኽትል ሚኒስተር መሬትን ባህርያዊ ሃብትን እታ ሃገር በኒቶ ኦውሶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቶም ኣናብስ ኮራኩር ስለዘለዎም፡ እንተቐሪብካዮም፡ ነተን ውሉዶም ክትወስደሎም ትፍትን ዘለኻ ክመስሎም ይኽእል እዩ” ኢሉ።
ወሲኹ’ውን “ህዝቢ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክቑጠብ ንሓትት” ኢሉ።
እቲ ውልቀሰብ ናብቶም ኣናብስ ንምብጻሕ 10 ጫማ ከምኡ’ውን 20 ዝቑመቱ ሓጹር ከምዝሓኾረ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
ንምጽዕዳው ሕብሪ ቆርበት እቶም ኮራኩር ምኽንያት ዝኾነ፡ ሉሲዝም ዝተባሃለ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ፍሉይ ናይ ቆርበት ባህሪ ካብ ወለዶም ብምውራሶም እዩ። እቶም ኮራኩር ልዑል መስሕብ በጻሕቲ ኮይኖም ኣለው።
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ዕቃበ ጸዓዱ ኣናብስ፡ ብዝሒ ኣብ ጫካታት ዝርከቡ ጸዓዱ ኣናብስ ካብ 12 ከምዘይበዝሑ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
