ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ብዝተወልዐ ናዕቢ ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/Art in All of Us
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ - ዞባ ደቡብ ኦሞ ብዝተወለዐ ናዕቢ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝነደዱን ተገሊፁ።
እቲ ናዕቢ፡ ሓደ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ብሄረሰብ ብደረጃ ዞባ ተወዲቡ ምምሕዳር ከጣይሽ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸብኩን ካብ ዝብል ከምዝነቐለ ተፈሊጡ'ሎ።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኦሞ ኣይተ ንጋቱ ዳንሳ፡ እቲ ጎንፂ ብሃገራዊ ጉዳይ ንዝተናውሐ ምላሽ እቲ ሕቶ ስዒቡ ከምዘጋጠመ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብዚ ከባቢ ካብ ሞንጎ ዝነብሩ ህዝብታት ሓደ ዝኾነ ብሄረሰብ "ኣሪ" ብደረጃ ዞባ ክጣየሽ ሕቶ ከምዘቕረበን እዚ ሕቶ ኣብ መስርሕ ከምዝርከብን ገሊፁ።
"ዞባ ደቡብ ኦሞ'ውን ክልል ክንኸውን ኣለና ዝብል ሕቶ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ኣቕሪቡ'ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ብክልል፣ ብዞባ፣ ብወረዳ ወይ ብፍሉይ ወረዳ ናይ ምውዳብ ሕቶታት ኣለዉ እዮም። ኣሪ ጥራሕ ኣይኮኑን ሕቶ ኣልዒሎም ዘለዉ" ኢሉ።
እንተኾነ መንግስቲ "ሃገራዊ ጉዳያት ስለዘለዉና ነዓኣቶም ክነቐድም ነዞም ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ብድሕሪኡ ክንፈትሖም" ዝብል ኣንፈት ሂቡ ነይሩ'ዩ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ "ገለ ኣፈፀምቲ ኢና ዝብሉ" ግና ናብ ዓመፅ ክወስድዎ ፈቲኖም ብምባል ከሲሱ።
ኣይተ ንጋቱ፡ "ኩሉ ናብ ሃገራዊ ጉዳይ ትኹረት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ገለ ኣፈፀምቲ ኢና ዝብሉ ሙሁራንን ፖለቲከኛታትን ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ናብ ዓመጽን ዘይተደለየ ኣንፈትን ክወስድዎ ፈቲኖም" ኢሉ።
እቲ ናዕቢ ምስተወለዐ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበፅሐ ከሎ ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለ ዝገለፀ እቲ ዋና ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ጂንካ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን መንበሪ ኣባይትን ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ዝተወሰኑ ገዛውቲ ጉድኣት በፂሕዎም። መንገድታት ተዓፅዮም ነይሮም። ኣብዚ እዋን ግን ኣካላት ፀጥታ ክኽፈቱ ጌሮም ኣለዉ" ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።
ወሲኹ ድማ "ሓደ ጉጅለ ኣጣይሽና ድማ ነቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብ ምፅናዕ ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት መንበሪ ገዛውቲ ናይ ምንዳድን መኻይን ምዕናውን ከምዘጋጠመ ሓበሬታ ኣለና" ኢሉ።
ዛጊድ ብመሰረት ዝበፅሖ ሓበሬታ ኣብቲ ናዕቢ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ከምዝጠፍአን፡ ኣብቲ ዝተወለዐ ጎንፂ ኣካላዊ መቑሰልቲ ዝበፅሖም ሰባት ከምዘለዉን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ዝርዝር እቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ዘጋጠመ ዕንወትን ግና ካብቲ ምፅራይ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ከምዝፅበዩ ኣረዲኡ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
