እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ዩክረይን፡ ፕረዝደንት ባይደን "ፑቲን ገበነኛ ኵናት'ዩ" ኢሉዎ
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ገበነኛ ኵናት'ዩ" ክብል ንፈለማ ግዘ ተዛሪቡ፤ ዘረባ እቲ ፕረዝደንት ኣብ ውጥረት ንዝርከብ ዲፕሎማሲ ክልቲአን ሃገራት ሰማይ ዘዕርጎ'ዩ።
ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ'ዩ፡ ነዚ ሃንደባታዊ ምላሽ ሂቡ ዘሎ።
ጆ ባይደን ንቭላድሚር ፑቲን ከምዚ ዓይነት ቃል ብምጥቃም ብወግዒ እንትኹንኖ፡ እዚ ፈላማይ እንትኾን ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ዋይት ሃውስ ብወገኑ፡ እቲ ፕረዝደንት "ካብ ልቡ'ዩ ከምኡ ኢሉ" ክብል ንቅዋም ባይደን ኣረጋጊፁ።
ክሬምሊን፡ "ይቕረ ዘይበሃል ዘረባ" ብምባል ንዘረባ ጆ ባይደን ምላሽ ሂብሉ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንተለቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መላእ ዓለም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብቦምባ ዝቐተለ መራሒ ሃገር ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምዝራቡ፡ ይቕረ ዘይበሃልን ተቐባልነት ዘይብሉን'ዩ" ኢሉ።
እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንፕረዝደንት ባይደን" እዚ ኩሉ ድሕሪ ምርኣይና፡ ንፑቲን ገበነኛ ኵናት ክትብሎ ፍቓደኛ ድኻ" ዝብል ሕቶ'ዩ ኣቕሪብሉ።
ፕረዝደንት ባይደን ፈለማ፡ "ኣይፋል" ዝብል መልሲ ዝሃበ እንትኾን ደሓር ግና ካብቲ ጋዜጠኛ በዳሂ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ነቲ መጀመርታ ዝሃቦ መልሲ ብምቕያር፡ "እወ ገበነኛ ኵናት እዩ" ኢሉ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ዩክረይን ዝተፈፀሙ ባርባራዊ ስእልታት ድሕሪ ምርኣዩ ነቲ ዘረባ "ካብ ልቡ ከምዝተዛረቦ" ገሊፃ።
እንተኾነ ዘረባ እቲ ፕረዝደንት ወግዓዊ ኣዋጅ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ፑቲን ገበነኛ ኵናት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ንምውሳን ብስቴት ዲፓርትመንት ካልእ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።
ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝተፀመዳሉ እዋን'ዩ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ።
ጆ ባይደን ነዚ ቅድሚ ምባሉ፡ ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብዙሓት ካብ ኮፍ ዝበልሉ ተላዒሎም ኣጣቒዐምሉ'ዮም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከኣ ፕረዝደንት ባይደን ንዩክረይን ከምዝሕግዝ ቃል ዝኣተወ እንትኾን፡ እዚ ኣሜሪካ ዛጊድ ንዩክረይን ንዝገበረቶ ሓገዝ ናብ ሓደ ቢልየን ዳላር ክብ ኣቢልዎ።
ብኻልእ ወገን ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ሃገራዊ ተሌቬዥን ቀሪቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ንምዕራባውያን ነቒፉ።
ፑቲን፡ ምዕራባውያን ንሩስያ "ብሓሰት ንምክፍፋል" ይፍትኑ ኣለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ድማ 'ጠላማት' "ኣለዉ ክብል ከሲሱ።