ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸውዓተ ኤርትራውያን ቤተሰብ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ሞይተን

Published

ንወጻኢ ሃገር ንዝነቐለት ቤተሰቦም ከፋንው፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ነታ ገያሺት ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሞታ ተሓቢሩ።

እተን ግዳያት፡ ንወጻኢ ምስ ደቃ ትገይሽ ዝነበረት ቤተሰቦም ንኸፋንው ካብ 'ገላን' ኮንደሚንየም ነቒሎም ብሃና ማርያም ኣቢሉ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝወስድ መገዲ ሒዞም ብመኪና ዝጓዓዙ ካብ ዝነበሩ 11 ኣባላት ሓደ ስድራን ኣዝማድን ምንባሮም፡ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽን መጥፋእቲ ሓዊ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ሓደጋ ምሸት ቀዳም 12 መጋቢት 2022 ምንባሩ ምፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

እታ ንወጻኢ ሃገር ትገይሽ ዝነበረት፡ ምስኣ ዝነበሩ ደቂ 4ን 6ን ዓመት ደቃ፣ ንኸፋንዋኣ ኢለን ካብ ኣስመራ ዝመጽኣ ኣደኣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣዝማድን'ውን ብሓደ ነይሮም።

እዞም ቤተሰብ ተሰቒሎምዋ ዝነበሩ 'ዶልፊን' ሚኒባስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ እናተጓዕዘት፡ ኣብ መንገዲ ተበላሽያ፣ ኣብ ደረት ጽርግያ ደው ኢላ ናብ ዝነበረት ሲኖትራክ ዝዓይነታ ዓባይ መኪና ብምግጫው እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ካብቶም ኣብታ ሚኒባስ ዝነበሩ ሰባት፡ ንገያሺትን ኣደኣን ወሲኻ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ብኡ ንብኡ ክሞታ እንከለዋ፡ ዝተረፉ ብኸቢድ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

እቶም ደቂ 4ን 6ን ህጻናት ከኣ፡ ካብ ሞት'ኳ እንተ ተረፉ፡ ብኸቢድ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለው።

ካብቶም ብሂወት ዝተረፉ ሓደ፡ መራሕ መኪና ኰይኑ፡ ንሱ'ውን ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎ ኣብ ሕክምና ከም ዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲአት ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለው፡ ትንፋስ ሸውዓተ ሰባት ድሮ ሓሊፉ ነይሩ፣ ክልተ ህጻናት ወሲኽካ ካልኦት ዝተጐድኡ ሰባት ብኡ ንብኡ ናብ ሕክምና ከም እተወስዱ፡ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን መጥፋእቲ ሓዊ ኣቶ ንጋቱ ማሞ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ፡ ግዳያት ካብታ ዝተጨፍለቐት ሚኒባስ ንምውጻእ፡ ኣባላት ህጹጽ ረዲአት ሓገዝቲ ማሽነሪ ክጥቀሙ ተገዲዶም ነይሮም።

ኣቶ ንጋቱ ብዛዕባ'ዚ ክገልጽ እንከሎ፡ ግዳያት ካብታ ሚኒባስ ንምውጻእ ኣመና ፈታኒ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ መስርሕ ምውጻእ ሬሳታት ልዕሊ ሓደ ሰዓትን 20 ደቒቕን ከም ዝወሰደ ኣቶ ንጋቱ ኣብሪሁ።

እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዝኽሰተሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኣባል ፖሊስ ከይተረፈ ኣብቲ ስፍራ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ሓቢሩ።

እቲ ቦታ ቁልቁለት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ መዝሓሊ ፍጥነት ዝኸውን ኣብ ጽርግያ ዝግበር መግትኢ ስለዘይብሉ ድማ ንሓደጋ ዘለዎ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ ኣብሪሁ።

ፖሊስ፡ ንጠንቂ'ቲ ሓደጋን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጕዳያትን የጻርዮ ከም ዘሎ ድማ፡ ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።