እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ ኣሽሓት ሰባት ስነስርዓት ቀብሪ ዘፈጸመ ዓብዱ ብዛዕባ ሞት እንታይ ይብል?
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ካብቶም ዘፍርሑን ዘደንግጹን ነገራት ሓደ ሞት እዩ። ሞት ይትረፍ ብተግባር፡ ሽሙ እንትለዓል ብፍርሒ ዝንቅጥቀጡን ዓይኖም ንብዓት ዝመልእን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ካብ ናይ ባዕሎም ሞት፡ ዝፈትውዎ ሰብ ምስኣን ዘርዕዶም እውን ኣለዉ።
ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ካብ ምብዝሑ ዝተልዓለ ዜና ሞት ዝተለመደ እንተኾነ፡ ሞት ኩሉ ሻብ መሰንበድን ሓዱሽን እዩ።
እዚ ድማ ሞት ኣዐርዮም ይፈርሑ ንዝነበሩ ኣጋፋሪ እንደሻው የዘኻኽረና።
"ኣጋፋሪ እንደሻው ድኣ መን እዮም?" ዝብል እንተሃልዩ፡ መብዛሕትና ንሞት ዘለና ስምዒት ወኪሎም ኣብ ናይ ደራሲ ስብሓት ገ/ሄር መጽሓፍ ስዋስኡ ገጸ ባህርይ እዮም።
እቲ ታሪኽ 'ኣምስት ስድስት ሰባት' ኣብ ዝብል ልበ ወለዳዊ መጽሓፍ ይርከብ።
ኣብቲ ታሪኽ ኣጋፋሪ እንደሻው ካብ ሞት ብምህዳም ካብ ሞት ንምትራፍ ዝቃለሱ ገጸ ባህርይ እዮም።
ካብ ሞት ግን ከመይ ኢልካ ምምላጥ ይከኣል?
ደራሲ ኣዳም ረታ 'እቴሜቴ ሎሚ ሽታ' ኣብ ዝብል መጽሓፉ ንደራሲ ስብሃት ገ/ሄር ብዛዕባ ኣጋፋሪ እንደሻው ብሓሳብ ከዛርቦ ንዕዘብ።
ስብሃት ድማ ዝስዕብ ምላሽ ይህቦ።
"ናይ ወዲሰብ ስራሕ ካብ ሞት ምህዳም እዩ፤ ስለ ዝኾነ ካብ ሞት ናይ ዝሃድሙ ሰብኣይ ታሪኽ ይጽሕፍ ኣለኹ። ሰብ ንሞት እዩ ተፈጢሩ። መወዳእትኡ ሞት እዩ። ካብ ሞት ንምምላጥ ዝገብሮ ጻዕሪ ይጸሓፍ። ኩሉ ነገር ጻዕሪ እዩ። ሰብ ንሞት ብዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ሜላ ብዓመታት፣ ብሰዓታትን ብደቒቓን የዐሽዎ. . .ስለዚ ኣጋፋሪ እንደሻው ተግባሮም ንመን ይመስል? ንብዙሓት ሰባት ይመስል. . ." ይብል።
ነባራይ ከተማ ደሴ ዓብዱ ፋጤ እውን ኣብቲ ዝፍጽሞ ሰናይ ተግባር፤ ሰባት ምስ ሞት ዝገጥሙዎ ቕልስን እምቢታን ርእዩ እዩ።
ምስኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ፡ ጸወተኦም ከይወድኡ እንትሞቱ ርእዩ እዩ።
ምስ ሞት ቆጸሮ ሒዞም "ሎሚ እኳ ኣይወጽእን" ኢሎም ዝተሰናበቱ ኣጋጢሞምዎ እዮም። ብዝወጽእዎ ዝተረፉ እውን ከምኡ።
ከምቶም "ሰላም ኣሕድረና" ኢሎም ምስ ደቀሱ ሞት ዝወሰዶም፡ ንባዕሎም ንሞት ኣሕሊፎም ዝሃቡ እውን ኣለዉ።
ዓብዱ፡ ኣብ እፋፌት ሞት ብህይወት ንምትራፍ ዝግበር ቃልሲ እውን ርእዩ እዩ።
ዓብዱ ንሞት ከም ምውላድ እዩ ዝርእይዮ።
ልክዕ እንትንውለድ ሓቢሩና ከምዝተፈጠረ ናይ ህይወት ካልእ ክስተት። ናይ ሞትን ህይወትን ገጽ በብዓይነቱ ተዓዚቡ እዩ።
"ሞት ምሳና እዩ ዘሎ፤ መዓዝ ኣብ ልዕሌና ከምዝረክብ ኢና ዘይንፈልጥ እምበር" ይብል።
ስለዝኾነ ድማ ከም ኣጋፋሪ እንደሻው ሞት ኣየሰንብዶን።
ብርግጽ ዓብዱ ኣዲኡ እንትሞት ኣዐርዩ ሰንቢዱ ነይሩ፤ ብጣዕሚ ሓዚኑ ነይሩ። ምስ ኣዲኡ ዳርጋ ከም ኣዕሩኽ እዮም ዝቀራረቡ ነይሮም።
ንዕኡ'ዩ ፋጤ ዝብል ናይ ኣዲኡ መጸውዒ ናብ ሽሙ ለጊቡ። ንኣዲኡ ኣብሊጹ ስለ ዝፈትዋ እዩ ነባራይ እቲ ከባቢ ዓብዱ ፋጤ ኢሉ ዝጽወዖ።
ትኽክለኛ ሽሙ ግን ዓብዱ ከማል እዩ።
"ንሞት ዘሰምብድ ዝገብሮ ምስቲ መዋቲ ዘለና ቅርበት እዩ" ይብል ዓብዱ። ንዕኡ ድማ ከም ኣዲኡ ኣብሊጹ ዝቐርቦ ኮነ ዝፈትዎ ሰብ ኣይነበረን።
ኣዲኡ ምስ ሞተት ግና ሞት ብዙሕ ኣሰንቢዱዎ ኣይፈልጥን።
ሞት መዓዝ ከምዝበጽሖ'ኳ እንተዘይፈለጠ "ኩሉሻብ ተዳል እየ ዝጽበዮ" ይብል።
ዓብዱ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ውሽጢ ንእሽቶ ገዛ እዩ ዝነብር።
ኣብቲ ከተማ ቀባሪ ዘይብሎም ዝሞቱ ሰባትን ብሓደጋ ይኹን ብኻልእ ወጺኦም ዘይተመለሱ ሰባት ሓመድ ኣዳም ብምልባስ እዩ ዝፍለጡ።
ኣብታ ንኡሽቶ ጎጆኡ ሃብትን ንብረትን የብሉን። ቃሬዛ፣ መኹዓትን ሰብ ንምቕባር ዘድልዩ ኣቑሑትን ግን ኩሉሻብ ኣብ ገዝኡ ድሉዋት እዮም።
ናይ ኣስከሬናት ሳንዱቕ እውን ናይ ተባዕታይ፣ ኣነስተይቲ፣ ክርስትያን፣ ሙስሊም ፈልዩ ኣዳልዩ የቐምጥ።
ነዞም ኣቁሑት ካብ ገበርቲ ሰናይ ብውህብቶ እዩ ዝረኽቦም።
ዓብዱ ሙስሊም እኳ እንተኾነ፡ ዝቐብሮም ግን ናይ ካልእ እምነት ተኸታሊ እውን እዮም።
ኣብ እምነቶም ዝካየድ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተማሂሩ እዩ። ናይ ካልኦት እምነት ተኸተልቲ እንትሞቱ ድማ ምስቶም ሰዓብቲ ኮይኑ ይቐብር።
ኣብታ ከተማ በዚ ሰናይ ተግባሩ እዩ ዝፍለጥ።
ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዝሞቱን ቀባሪ ዘይብሎምን ሰባት እንትርከቡ ሰብ ናብ ቤት ማዘጋጃ ዘይኮነስ ናብኡ እዩ ዝድውል።
ካብኡ እስላም ይኹኑ ክርስትያን ኣልዒሉ ብስርዓት ይቐብር።
ናብዚ ሰናይ ተግባር ብኸመይ ኣትዩ?
ወዲ 50 ዓመት ዓብዱ ቅድሚ 10 ዓመት እዩ ናብዚ ሰናይ ተግባር ኣትዩ፤ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1988 ዓ/ም።
እቲ ኣጋጣሚ ድማ ናይ ሓደ መሓዝኡ ቀባሪ ምስኣን ነበረ።
"ካብ ብሄራዊ ውትድርና ምስ ተመለስና ሓደ መሓዛና ብሓደጋ መኪና ሞይቱ። ዝቐብሮ ስኢኑ። ኣነድማ 'ሓመድ እየ'፡ ከመይ እዚ ሰብ ቀባሪ ይስእን ዝብል ሓዘን ኣትዩኒ" ይብል ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ነገር እናዘከረ።
ካብቲ ምሟቱ ቀባሪ ምስኣኑ ኣሕዚንዎ። ኣብቲ እዋን ኣፍልጦ ስነ ስርዓት ቐብሪ ኮነ ንቐብሪ ዘድልዩ መሳርሒታት ኣይነበሮን።
በዚ ምኽንያት ናይ መሓዝኡ ሬሳ እንተይተቐበረ ሓዲሩ። ብጽባሒትኡ ከም ዝኾን ተገይሩ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጸመ።
በዚ ኣጋጣሚ እዩ እዚ ናይ ሰናይ ተግባር ንምስራሕ ንባዕሉ ቃል ዝኣተወ።
ካብ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ስረሐይ ኢሉ ቀባሪ ዝሰኣኑ ሰባት ብወለንተኝነት ኣልዒሉ ይቐብር።
ኣብ ሰናይ ተግባር ዝተዋፈሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ተወሲኽዎ "ክሳብ ሕዚ ናይ ልዕሊ 4000 ሰባት ቀብሪ ፈጺመ እየ" ይብል።
"ሞት ዘሕዝን እዩ፤ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ሰብ ዝኣክል ድርብይ ኣቢልካዮ ክትመጽእ የሕዝን፤ ግን ብስርሐይ ዕግበት ይረክብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር የለን" ይብል ዓብዱ።
ናይቶም ስነ ስርዓት ቀብሮም ዝፍጽመሎም ሰባት ስም ዝርዝር እውን ጽሒፉ የቐምጥ።
ደንጉዮም ዝሰምዑ ስድራ እቶም መወትቲ ምናልባት ኣልዒሎም ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ክቐብርዎም እንተደልዮም ንምሕባር እዩ ከምኡ ዝገብር።
ሞት ንዓብዱ እንታይ እዩ?
ሰብ ኣነባብርኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዘጨንቖ። ኣማውትኡን ቀብሩን እውን የሕስቦ እዩ።
ነዚ እዩ ሰብ "ኣማውታይ ኣጸብቐለይ፤ ቐባሪ ኣይተስእነኒ" ኢሉ ዝጽልይ። ብመሰረት ባህልን እምነትን ብስርዓት ክትቅበር ክብሪ እዩ።
ዓብዱ እውን ካብ ሞት ንላዕሊ ዘተሓሳስቦ እዚ እዩ።
"ሞት ኩሉሻብ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። ኮፍ እንትብል፣ እንትለዓል፣ እንትኸይድ እውን ሞት ከምዘሎ ይፈልጥ እየ። ሳንዱቕ ሬሳ ኣብ ጥቓይ ገይረ እየ ዝድቅስ። ኩሉ ከያዳይ እዩ። ምንም ኣይፈርሕን፤ በዓል ተራ እየ። ብተራይ ከምዝኸይድ ይፈልጥ እየ" ይብል።
ሰብ ዝኣክል ፍጡር ግን ምስሞተ ሓመድ ክለብስ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ኣለዎ።
ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዱ ሓደ ሰብ ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተሞይቱ ኣስተኻኺሉ ካብ ምቕባር ንድሕሪት ኣይብልን። ዋላ ዘሰቅቕ ሞት እንተኾነ ኣይጽየፍን።
"ናተይ መወዳእታኸ መን ፈሊጥዎ?" ይብል።
"ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰብ ይቐብር እየ" ዝብል ዓብዱ፡ ሓደጋ እንተኣጋጢሙ ድማ ካብዚ ክበዝሕ ከምዝኽእል ይዛረብ።
ነዚ ሰናይ ተግባሩ ግን ዝኽፈሎ ቀያሕ ሳንቲም የለን።
ሰራዊት ትግራይ ንከተማ ደሴ ኣብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን
ዓብዱ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ ደሴ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዕኡን ንኻልኦት ወለንተኛታትን ፈታኒ እዋን ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰባት ካብ ኲናት ንምህዳም ነታ ከተማ ገዲፎም ወጺኦም፤ ቤት ማዘጋጃ ሓዊሱ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ።
እድርን ማሕበርን እውን ዝረብሕ ምንቅስቓስ ኣይነበሮምን።
ማእከላት ሕክምና ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጾም ስለዝነበሩ " ብሕጽረት መድሓኒት ዝሞቱን ቀባሪ ዝሰኣኑን ሰባት ብዙሓት እዮም ነይሮም" ይብል።
ሽዑ ሰባት ናብኡ ይመጹ ነይሮም። ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምንባሩ ድማ ናብ ገዝኡ ከይዶም እዮም ዝነግርዎ።
"ብሕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ብጥይት ዝተቐተሉ ሰላማውያን ሰባት (ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ሓዊሱ) ነይሮም" ዝብል ዓብዱ፡ መዓልታዊ ክሳብ ሓሙሽተ ሰብ ይቐብሩ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ ምፍጻም ቀሊል ኣይነበረን።
ደሴ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ ከባቢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ቀቢሮም እዮም።
"እንተ ሞይተ ቀባሪ የብለይን፤ ንሱ ክቐብረኒ እየ ተስፋ ዝገብር"
እቴነሽ ብርሃኑ ናይ ዓብዱ ጎረቤት እየን። በዓል ገዝአን ምስ ዓረፋ ብስርዓት ዝቐበረለን ዓብዱ እዩ።
"ዓብዱ ርህሩህን ሓዛንን እዩ' ይብላ።
ካልእቲ ጓል 80 ዓመት ጎረቤቱ ኣበበች ሙሳ ድማ " ዓብዱ ዘለዎ ኣካፊሉ ዝነብር ሰብ እዩ። ሰብ ክጽገም ክጠሚ ኣይደልን። ንሰብ ጥራሕ እንተይኮነስ ንእንስሳት እውን እዩ ዝሓዝን" ይብላ።
"ኣነ ንሞት ዝጽበ ሰብ እየ። እንተሞይተ ዝቐብረኒ ዘመድ ብለይን። ንሱ ክቀብረኒ እዩ ኢለ እየ ተስፋ ገይረ" ይብላ።
ዓብዱ ነዚ ሰናይ ተግባሩ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎ እዩ።
ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ትካላትን እውን ምስክር ወረቐት ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ 2013 ዓ/ም ናይ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ተሸላሚ 'በጎ ሰው' (ሰናይ ሰብ) ኮይኑ እዩ።