እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ናይ ጓሓፍ መኪና ንሰዓታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ህጻን ድሒኑ
ኣብ ካርቱም ሱዳን ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ ንሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ናይ ጓሓፍ መኪና ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝድሓነ ተገሊጹ።
እቲ ማጂድ ሙባረክ ኢብራሂም ዝተባህለ ቆልዓ ብኮርፖሬሽን ጽሬት ካርቱም ምስ ዝውነን ናይ ጓሓፍ መኪና ይሰርሕ ምንባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ንሱ ገለ ጓሓፍ ክድርብይ እንከሎ በቲ ማሽን ተሳሒቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።
ማጂድ ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብ እኳ እንተተገለጸ፡ ፖሊስ ብዛዕባ ኩነታቱ ካልእ ዝርዝራት ኣይሓበን።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ለይቲ ነቲ ህጻን ንምድሓን እናጸዓሩ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰባት ክቀባበልዎ ተራእዩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከም ዝነገርዎ፡ እቲ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ጓሓፍ ማሽን እኳ እንተተቐርቀረ ከብድ-ኢዱ ተቐልቂሉ ይርአ ነይሩ።
እቲ ሓደጋ ንኹነታት ናይቲ ቆልዑ ዝምዝመዝሉን ኣብ ውትህድርና ከይተረፈ ዝቑጸሩሉን ሸቕሊ ቆልዑ ኣብ ሱዳን ዘቃልዕ ምዃኑ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።
ኣብ ሱዳን ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ገለ ቆልዑ ኣብ ሓደገኛ ስራሓት ክዋፈሩ ገይሩ እዩ።
ኣብ ካርቱምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ጎደናታት ይረኣዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ዝኾኑ ሱዳናውያን ህጻናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ይርከቡ።
ኣብ ስራሓት ጽሬት፣ ሸቐጥ፣ ህንጻን ምእካብ ጓሓፍን ተዋፊሮም ንምዝመዛን ዓመጽን ከም ዝቃልዑ ይግለጽ።
ኣብ ኮርፖሬሽን ጽሬት ካርቱም ዘሎ ትሑት ክፍሊት'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቓውሞታት ምግባሮም ይዝከር።
ሓደ ኤል ሳዲቕ ኢሳ ዝተባህለ ተሓላቒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ነበር ኣብ ስራሕ እንከሎ ብዘጋጠሞ ሓደጋ እግሩ ከም ዝተቖረጸን እቲ ትካል ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክኸፍለሉ ስለ ዘይከኣለ እቲ ሰብኣይ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ይልምን ከም ዘሎን ጽሒፉ።