ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ብጫ ማልያ ብማዕረ ግዜ ካልኣይ ኮይኑ

ፈረንሳዊ ኣሌክሳነደር ገኔዝ
Published

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ኣሌክሳንደር ገኔዝ ክዕወት እንከሎ፡ ተጻዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ሮላንድ ካልኣይ ተቀዳዳማይ ቤንዲክሽን ኢግኒት ርዋነዳዊ ኤሪክ ማንዛባዮን ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

ኣሌክሳንደር ገኔዝ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኮይኑ ዝነበረ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እቲ ኣብ ኩለን ዝሓለፋ መድረኻት ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ክወጽእ ዝጸንሐ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብቲ ንውድድሩ ብ3 ሰዓትት፡ 12 ደቂቕን 14 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ዝወጽአ ኣሌክሳንደር ገኔዝ 20 ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ ወጺኡ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን'ውን ብተመሳሳሊ ግዜ 8 ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ናይ ሎሚ ጸወታ ካብ ሙሀንጋ ናብ ከተማ ሙሳንዘ ናይ 124.7 ኪሎሜተር ኮይኑ ተቐዳደምቲ ኣብ መጀመርታ 9 ኪሎሜተር ን4 ኪሎሜተር 4.4 ሚኢታዊት ትረት ዓቐብ ዘለዎ ጥውይዋይ መንገዲ ወጺኦም ንኣስታተ 20 ኪሎሜተር ቁልቁለት እዩ ተጸብይዎም። ኣብ መበል 23.8 ኪሎሜተር ኸኣ 2 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዋ ተራር ዓቐበት ካሞንዮ ተጸብያቶም።

ናትናኤል ተስፋጽዮን

ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ በርጎስ ቢኤች ኣንገል ማድራዞ ብጫ ማልያ ሎሚ ተረኪቡ ኣሎ።

ኣንገል ማድራዞን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብድምር ክሳብ ሕጂ ንዝተሰርዓሎም ኪሎ ሜተራት ብ13 ሰዓት፡ 57 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብማዕረ ብምዝዛም ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣለዉ፡ ተቐዳዳማይ ትራንጋኑ ፖሊጎን ኣናቶሊ ቡድያክ ብሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ክስራዕ እንከሎ፡ ሎሚ ራብዓይ ኮይኑ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ቀዳማይ ብሸውዓተ ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ትማሊ ራብዓይ ኮይኑ ዝኣተወ መትከል እዮብ ኸኣ ኣብ ብጫ ማልያ 1 ደቒቕን 55 ካልኢትን ድሒሩ መበል 11 ተሰሪዑ ኣሎ።

ንዝበለጹ ኣፍሪቃውያን ከምኡ ኸኣ ንዝበለጹ መንእሰያት ዝውሃበ ማልያታት ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቀዳማን ካልኣይን ኮይኖም ሒዞምወን ኣለዉ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ሎሚ ሰለስተ ግዜ ንሽልማት ናብ ፓንድዮም ደይቡ፡ ዝበለጸ መንእሰይ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃውን ምስታ ነዚ ውድድር ብመሪሕነት ትቅልሶ ዘላ ጋንትኡ ደሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብምዃን።

ንኣንበሳ ዓቐብ እትወሃብ ማልያ ጅያን ቦስኮ 33 ነጥቢ፡ ሳሜኤል ሞጉሻ 30 ነጥቢ ላወረን ኣግዘል ኸኣ 23 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዖም ኣለዉ።

መግለጺ ቪድዮ, ዙር ርዋንዳ 2022፡ ብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ናብ ሳልሳይ ሰብ ተሰጋጊራ