እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እግሪ እምባ ኤቬረስት መግብን ስነ ጽሑፍን ኢትዮጵያ እተላሊ ቤተልሄም
ደቡብ ኤሽያዊት ሃገር ኔፓል ብጎቦታት ሂማሊያ ዝተኸበት እያ። ኣብ መሬት እቲ ዝዓበየ እምባ ኤቨረስት'ውን እዛ ሃገር ምስ ቻይና ኣብ እትዋሰነሉ ዶብ እዩ ዝርከብ።
ኤቨረስት ካብ ጸፍሒ ባሕሪ 8849 ሜትሮ ብራኸ'ዩ ዘለዎ።
እዚ ብበረድ ዝተሸፈነ እምባ ንክሓኹሩ ዓመታዊ ብዙሓት ሓኾርቲ ናብ ኔፓል ይጉዓዙ፤ ርእሰ ከተማ ካትማንዱ ድማ ብበጻሕቲ ዓዲ ትጨናነቕ።
ካትማንዱ፡ ካብ ኤቨረስት 200 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እያ ትርከብ። እቲ እምባ ንክትወጽኦ ግን ሓሙሽተ ወርሕን ልዕሊኡን ክወስድ ይኽእል።
ከም ብዋዛ በጺሕኻ እትምለሶ ኣይኮነን። ኣብ ጥቓ እቲ እምባ ኣብ ዝተሰርሑ ካምፕታት ክትዓርፍን ሰብነትኻ ክለማመድን ኣለዎ።
እዚ ኹሉ ሓሊፎም ብሰላም ዝምለሱ ክኣ ዕድለኛታት እዮም።
እምበር ብሰንኪ ሕጽረት ኦክስጅን፣ ዓጽምኻ ብዝሰብር ቀዝሒ፣ ብምንሽርታት በረድን ካልእን ኣስክሬኖም እውን ንምልዓል ዘይክኣለሉ ኩነታት ስለ ዘጋጥም ኣብኡ ዝተርፉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ብኔፓል ወጺኦም ኣስክሬኖም ኣብ ቻይና ዝርከብ'ውን ኣለው።
ኔፓል፡ ብርክት ዝበሉ እምባታት ኣለውዋ፤ ብዙሓት ሓኾርቲ ድማ ቅድሚ ናብ ኤቨረስት ምኻዶም ኣብ ካልኦት ጎቦታት ሂማሊያ ይለማመዱ።
እዚ'ውን ቀሊል ኣይኮነን።
ወይና ደጉዓ ኩነታት ኣየር ዘለዋ ካትማንዱ እምበኣር ብዙሓት ሓኾርቲ እፎይ ኢሎም ዘዕርፉላ ከተማ እያ።
እቶም በጻሕቲ ዓዲ ናብ ኤቨረስት ቅድሚ ምኻዶም ኣብ 'ቶፕ ኦፍ ዘዎርልድ ሬስቶራንት' ዝርከብ 'ኣዲስ ኢትዮጵያ ኩዚን' ናይ ኢትዮጵያ መግቢታት ይበልዑ። ክምለሱ እንከለው'ውን ከምኡ።
ኣብዚ ብዝተፈላለዩ ቅመማት ዝተኸሸነ ጸብሒ ደርሆ ምስ እንጀራ ጣፍ ዘቕርብ መን'ዩ ክትብሉ ትኾኑ።
ቤተልሄም ባዩ ትብሃል።
ምስ ካልእ ኢትዮጵያዊት መሓዝኣ ብምዃን ናይ ኢትዮጵያ መግቢታት ተዳሉ። ጸብሒ ደርሆ፣ ስጋ፣ ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ፣ ኣጅቦ፣ ካብ መስተ ድማ ሜስ የቕርባ።
"ኩሎም እቲ መግብና ፈትዮምዎን ኣኮማሲዖምዎን እዮም ዝኸዱ" ትብል።
ቤተልሄም ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢትዮጵያዊት እያ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን ስነ ጽሑፍን ናይ መጀመርያ ዲግሪ ክትረክብ እንከላ ኣብ ኮሌጃት'ውን ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ስልጠናታት ንግዲ ወሲዳ።
ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽኣ ድማ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ግብረ ሰናይ ትካላትን ሰሪሓ።
ሕጂ፡ ናብ ኔፓል ዝወስዳ ናይ ህይወት ጉዕዞ ተፈጢሩ። በዓል ሓዳራ ምስ ዝኾነ ኢንግሊዛዊ ተላልያ።
ኣብ ሞንጎ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብምኻድ ብስርዓተ ጾታ፣ ባህልን ሕብረተሰብን ካልኣይ ዲግሪ ሰሪሓ። ድሕሪኡ ምስቲ ኢንግሊዛዊ ሓዳር መስሪታ።
ናይ በዓል ቤታ ስራሕ ግን ኣብ ሓደ ቦታ ከፍ ዘብል ኣይነበረን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ምዝውዋር ዝበዝሖ እዩ ነይሩ።
ናይጄሪያ፣ ታንዛኒያ፣ ዙምባብወ፣ ቬትናም፣ ካምቦዲያ፣ ኢንግሊዝ እናበለት እያ ተቐሚጣ።
ሕጂ ድማ ኣብ ኔፓል ኣለው። ኣብዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑዋ ኣሎ።
"ጊዜ እናነውሐ፣ ዝነብረሉ ሃገር እናርሓቐ ብዝኸደ ቑጽሪ ንሃገረይ ዘለኒ ፍቕሪ ይሕይል"ትብል።
ኣብ ቬትናም እንከላ ካብ ቆርበት ዝስርሑ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቦርሳ ትሰርሕ ነይራ። እዚኦም ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያ ዘላልዩ ምዃኖም ትዛረብ።
ኣብ ዙምባብወን ታንዛኒያን'ውን ኣብ ፍርያት ቆርበት ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ነይራ።
ወለንታዊ ስራሕታ፣ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ቅድታትን ኩሎም ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ድልየት ኣለዋ።
"ወትሩ ንኢትዮጵያ ከላሊ ድልየት ኣለኒ፤ ብዙሕ ክፍለጥ ዝግብኦ ነገር'ውን ኣለና" ዝበለት ቤተልሄም ሕጂ ኣብ ካትማንዱ ናይ ኢትዮጵያ መግቢታት ተዳሉ ኣላ።
ኔፓል ምስ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘመሳስል ነገራት ኣለዋ ድማ ትብል።
"ኔፓል ልክዕ ከም ኢትዮጵያ ባሕሪ የብላን፤ ዓበይቲ ጎቦታት ዝኸበቡዋ እያ። ህዝባ ድማ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ተገዚኦም ኣይፈልጡን። ሃይማኖተኛታት'ዮም [ቡድሃን ሂንዱን ይኽተሉ]፤ ናይ ነገስታት ዘርኢ'ውን ኣለዎም" ትብል።
ወሲኻ "ትሕትና ዘለዎም፣ ሕቡናት፣ ተኸባቢሮም ዝነብሩ ህዝቢ'ዮም" ኢላ።
ብተወሳኺ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ቅመማት ዘለዎም ዝምድና'ውን ምስ ኢትዮጵያውያን የመሳስሎም።
ቤተልሄም ከም እትብሎ፡ ኣብ ካትማንዱ ዝነብሩ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ቤተሰብ ጥራይ ኣለው።
ኩሎም ይፋለጡ፤ ቡን ሓቢሮም ይሰትዩ።
ቤተልሄም ግን መብዛሕትኦም ዓማዊላ ኣመሪካውያን እዮም። ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዲፕሎማት እውን ካብቶም በጻሕቲ ዓዲ ብዝተፈለየ ዓማዊላ ምዃኖም ትዛረብ።
"ስነ ጽሑፍ ኢትዮጵያ ከላሊ ይደሊ'የ" ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቤተልሄም ሳልሳይ ዲግሪ ትመሃር ኣላ። ኣብ ስነ ጽሑፍ ኢትዮጵያ ትኹረት ገይራ ድማ ትሰርሕ።
"ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ስነ ጽሑፋት ኣለውዋ፤ እንተኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ሽማ ኣይልዓልን። እቲ ዝጽሓፈሉ ቋንቋ ንኣፍሪቃ ኮነ ንዓለም ተበጻሒ ስለ ዘይኾነ እዩ" ትብል።
ምዕራብ ኣፍሪቃውያን፡ ብቋንቋ ፈረንሳ፣ ካልኦት ድማ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ታሪኾም፣ ባህሎም፣ ማሕበረሰባዊ ስነ ልቦንኦምን ካልእን ብስነ ጽሑፍ የላልዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ግን መብዛሕትኡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዝጽሓፍ ብዙሕ ዝሳገር ኣይኮነን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዘለው ስራሕቲ ናብ ኢንግሊዘኛን ካልእ ቋንቋታትን ክትርጎሙ ኣለዎም ትብል።
ንሳ፡ ኣዳም ረታ ካብ ዝጽሓፎ መጽሓፍ 'ኣለንጋና ምስር' 'የድንች መስዋእት' ዝብል ታሪኽ 'Requiem for Potatoes' ናብ ዝብል ተርጒማቶ ኣላ።
"ክቡር ድንጋይ ዝብል ናይ ደራሲ ይስማእከ ወርቁ መጽሓፍ'ውን ተርጒመዮ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይሕተም ኣሎ" ትብል።
ብተወሳኺ ካልኦት ዝተፈላለዩ ታሪኻት እናተርጎመት ብዩትዩብ ተቕርብ እያ።