ደቡብ ኣፍሪቃ ንጨረታ ዝቐረበት መፍትሕ ናይታ ማንዴላ ተኣሲሩላ ዝነበረት ክፍሊ ደው ኣቢላቶ

Published

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንጨረታ ዝቐረበት መፍትሕ ናይታ ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ደሴት ሮበን ተታሒዙላ ዝነበረ ክፍሊ/ሸላ ደው ኣቢላቶ።

እቲ ጨረታ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኒው ዮርክ "ጉርንሰይ" ኣብ እተባህለ ናይ ጨረታ ቦታ እዩ ክካየድ ተወጢኑ ነይሩ። እቲ ሸያጢ፡ ኣብቲ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ: ተሓዝ መፍትሕ ናይታ ኔልሰን ማንዴላ ተኣሲሩላ ዝነበረ ሸላ: ክሪስቶ ብራንድ ዝተባህለ ሓላው እሱራት ነበር እዩ።

ሚኒስተር ባህሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ናቲ ምቴዋ ግን እቲ ጨረታ ምስ መንግስቲ ምንም ምምኽኻር ከም ዘይተገብረሉ ገሊጹ ።

"እቲ መፍትሕ ናይ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እምበር ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ውልቃዊ ንብረት ኣይኰነን" ኢሉ ።

እቲ ን28 ጥሪ ንጨረታ ዝወጽአ መደብ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ መቓብር ማንዴላ ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልትን ንቤተ መዘክርን ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ እቲ ንጨረታ ዝተዳለወ ንብረት እታ መፍትሕ ጥራሕ ዘይኮነት፡ እታ ማንዴላ ኣብ ደሴት ሮበን ዝቐብኣ ናይ መጀመርታ ቅብኣ ፡ ከምኡውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጥቀመላ ዝነበረ ናይ ቴኒስ ባይታ ራኬትን ኣካላቱ ንምንቅስቓስ እተፈቕደሉ ናይ ምውስዋስ ብሽክለታን ዘጠቓልል እዩ።

ማንዴላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ጅግና እዩ። ካብቲ ዝተኣስሮ 27 ዓመታት እተን 18 ዓመት ኣብቲ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ ደሴት ሮበን እዩ ኣሕሊፍዎ። ደሕራይ እቲ ሓላዊኡ ዝነበረ ሚስተር ብራንድ ናይ ቀረባ ዓርኪ ማንዴላ ኰነ።

እታ ካብ ከተማ ኬፕታውን ከምኡ'ውን ካብ ከረን ቴብል ኣማዕዲኻ እትርአ መሰክሕ ዝኾነት ደሴት ሮበን ስማ ካብቶም ኣብ ሓደ እዋን ወሪሮምዋ ዝነበሩ ዓይነት ዓሳ እያ ተዋሂባ። ብቋንቋ ዳች ሮበን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ገማግሙን ዝርከብ ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ማለት እዩ።

ማንዴላ፡ ብ1990፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ጽኑዕ ዓሌታዊ ምፍልላይ (ኣፓርታይድ) ክትርሕቕ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን እዩ ተፈቲሑ። ኣብቲ ኣብ 1994 እተኻየደ ናይ መጀመርታ ግዜ ሃገራዊ ብዙሐ - ዓሌታዊ ምርጫ ከኣ ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ተመሪጹ ።

ማንዴላ ንሓደ እብረ ስልጣን ምስ ኣገልገለ ብ1999 ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ብ2013 ከኣ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ ብሞት ተፈልዩ።