ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣሜሪካ ተምሃራይ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ሰለስተ ተቐቲሎም፡ ሸሞንተ ቆሲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዝተኸፈተ ተኹሲ፡ ተምሃሮ ተቐቲሎም።
በቲ ተኹሲ ሓደ መምህር ዝርከቦም ሸሞንተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ።
ሰብመዚ፡ በቲ ተኹሲ ሓደ ወዲ 16 ዓመት፣ ጓል 14 ዓመትን ጓል 17 ዓመትን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጦም።
ፖሊስ፡ እቲ ወዲ 15 ዓመት ተጠርጣሪ፡ ብናይ ኢድ ጠበንጃ ካብ 15 ክሳብ 20 ዓረራት ከምዝተኮሰ ገሊፁ።
እንተኾነ ዕላማ እቲ ኣጥቃዒ ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ሹመኛ ግዝኣት ኦክላንድ ማይክ ሚኬብ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ከባቢ ሰዓት 12:51 ጀሚሩ ናብ ኣገልግሎት ህፁፅ ኩነታት 911 ክድወሉ ከምዝጀመሩን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ልዕሊ 100 ፃውዒት ስልኪ ከምዝተቐበሉን ገሊፁ።
ሰብመዚ፡ እቲ ናይ ካልኣይ ዓመት ተምሃራይ ዝኾነን መጥቃዕቲ ዝፈፀመን ጥርጡር፡ ብዘይገለ ተኹሲ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ኣፍሊጦም።
ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ግዳያት እቶም ክልተ ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ከምዝኣተዉን፡ እቶም ካልኦት ሽድሽተ ከኣ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡን ተሓቢሩ።
እቲ ተጠርጣሪ ንፖሊስ ከይዛረብ ብስድርኡ ስለዝተነገሮ፡ ክተሓባበር ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ማይክ ሚኬብ ሓቢሩ።
ኣካያዲ ስራሕ ኣብያተ ትምህርቲ ኦክስፎርድ ቲም ትሮን፡ በቲ ፍፃመ " ሰምቢደ'የ፡ ሓዚነ'የ" ብምባል ክሳብ ቀፃሊ ሰሙን ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕፀዋ ገሊፁ።
ጋዜጣ ፍሪ ፕረስ ድማ፡ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዝኽእል ወረታት ብምንባሮም ገለ ተምሃሮ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ንዘይምርካብ ከምዝወሰኑ ፀብፂቡ።
ካብ ስድራ ተምሃሮ ጆዲ ጆብ ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ወዳ "ዝኾነ ነገር ከጋጥም'ዩ ዝብል ስምዒት ስለዝተሰምዖ" ካብ ትምህርቲ ከምዘብኾረ ሓቢራ።
ሮቢን ረዲንግ ዝተብሃለት ወላዲት ድማ፡ ወዳ ስግኣት ድሕነት ስለዝተሰምዖ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይከደ ንኣሶሺየትስ ፕረስ ገሊፃ።
ኣብ ሚንያ ፖሊስ ሚነሶታ ምብፃሕ ዘካይደ ዘሎ ፕረዝደንት ባይደን፡ በቲ መጥቃዕቲ ንዝፈትውዎም ንዝሰኣኑን ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ስድራ ግዳያት ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣሕሊፉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
