እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማርዮ ድራጊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኮይኑ ቃለማሕላ ክፍጽም'ዩ
ማርዮ ድራጊ፡ ብወግዒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ክኸውን ክኸውን ክቕበሎ እንከሎ: ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቃለማሕላ ክፍጽም እዩ።
ፕረዚደንት ኢጣልያ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ልፍንታዊ መንግስቲ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ንሓላፊ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ነበር ማርዮ ድራጊ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ሓቲቱዎ ነይሩ።
ፖለቲከኛታት ኢጣልያ፡ ኣብዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ምቛም ኣይተሰማምዑን።
ሚስተር ድራጊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ድማ መራሕቲ ዝተፈላለየ ሰልፍታት ደጊፍሞ ኣለው።
ንሱ፡ ዓዲ ጥልያን ከቢድ ብድሆታት ገጢምዋ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኸውን ዘሎ።
ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ ኢጣልያ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዳርጋ 93,000 ኢጣልያውያን ንዝቐዘፈ ለበዳ ኮቪድን ብሳዕቤኑ ንዘጋጠመ ለበዳን ንምሕዋይ ዝወሃብ ዘሎ ናይ $267 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ብኸመይ ከምዝጥቀምሉን ኣብ ምንታይ ከምዘውዕሉዎን ኣይተሰማምዑን።
ቀዳማይ ሚስተር ኢጣልያ ነበር ጁሰፕ ኮንተ፡ ብሰንኪ እቲ ዘይምስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ብድሕሪኡ ከኣ እዩ እቲ ናይ ፖለቲካ ዕግርግር ተፈጢሩ። ሚስተር ኮንተ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ንቅልውላው ኮሮናቫይረስ ንምግጣም ተባሂሉ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተዋህበ ገንዘብ ናይ ልፍንቲ ሰልፍታት ደገፍ ኣይረኸበን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር ማትዮ ረንዚ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ማርዮ ድራጊ፡ ንኤውሮጳ ዘድሓነ ኢጣልያዊ እዩ። ሕጂ ድማ ንኢጣልያ ከድሕን ዝኽእል ኤውሮጳዊ ይመስለኒ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ማርዮ ድራጊ መን እዩ ?
ማርዮ ድራጊ ሓደ ሓደ ግዜ፡ በቲ ኒንቴንዶ ኣብ ዝተባህለ ናይ ቖልዑ ቪድዮ ገይም ዘሎ ገጸ ባህሪ "ሱፐር ማርዮ" ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ፋይናንስያዊ ቅልውላው ኤውሮጳ ሓላፊ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ብምዃን ነቲ ትካል ንሸሞንተ ዓመት ዝመርሖ ክኢላ እዩ።
ተንተንቲ ቁጠባን ወሃብቲ ርእይቶን ከምዝሕብርዎ፡ ሚስተር ድራጊ፡ ንባጤራ ዩሮን ንዩሮ ዞንን ብምድሓኑ የኽብሩዎ እዮም።
ሚስተር ድራጊ፡ ኣብ ሕዳር 2011 ስልጣን እቲ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ክርከብ እንከሎ ኤውሮጳ፡ ምናልባት እውን ከም ሕብረት ክትበታተን ትኽእል እያ ኣብ ዘብል ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው እያ ነይራ።
እንተኾነ ሚስተር ድሬጊ ንባጤራ ዩሮ ንምዕቃብ ዘድሊ ጻዕሪ ክገብር ምዃኑ ብምምብጻዕ፡ እቲ ሕብረት ንመጠነ ሰፊሕ ዕዳ ትካላት ከውሕስ "ህጹጽ ስጕምቲ" ክውሰድ፡ መንግስታት ከም ሓደ ኣካል ነቲ ዝወረደ ዕዳ ክስከሙዎ ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ፈለማ ካብ መንግስቲ ጀርመን ተቓውሞ እኳ እንተኣጋጠሞ ዳሕራይ ግን ተቐባልነት ረኺቡ። ከም ውጽኢቱ ከኣ እቲ ክርመስ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ቁጠባ ድሒኑን ዓብዩን - ሕብረት ኤውሮጳ እውን ካብ ሓደጋ ምብትታን ድሒኑ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጂ ንጥልያን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት፡ "ነቲ ለበዳ ንምግታእ ፡ ወፍሪ ክታበት ምምላእ፡ ንመዓልታዊ ብድሆታት መልሲ ምሃብን ነታ ሃገር ናብ ንቡር ምምላስን" እዩ ክብል ተዛሪቡ።