ኣብ ኤምባሲ ጥልያን ተዓቚቦም ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ደርጊ ምሕረት ክግበረሎም'ዩ ተባሂሉ

Published

ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ጥልያን ተዓቚቦም ዝርከቡ ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደርጊ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ምሕረት ክግበረሎም ይኽእል'ዩ ተባሂሉ።

እዞም ኮሎኔል ብርሃኑ ባይህን ሌፍተናል ጀነራል ኣዲስ ተድላን ዝተባህሉ ውልቀሰባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ጥልያን ን30 ዓመታት ተዓቚቦም ዝጸንሑ'ዮም።

ሰራዊት ኢህወደግ ንኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምቁጽጻሩ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ኤምባሲ ተዓቚቦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደርጊ ዝኾነ ብርሃኑ ባይህ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ሌፍተናል ጀነራል ኣዲስ ተድላ ድማ ኢታማጆር ሹም እቲ ስርዓት ዝነበሩ'ዮም።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓላፊ ሴክሬታሪያት ፕሬስ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎም ዝጸንሑ ሰበ ስልጣን ደርጊ ዝነበሩ ውልቀሰባት፡ እቲ ፍርዲ ንሕልፈት ክቕየር ብፕረዚደንት እታ ሃገር ጸዲቑ'ዩ ኢሉ።

ክልቲኦም ኣብ ውሽጢ ስርዓት ደርግ ብዝነበሮም ተሳትፎ ፈጺሞምዎ ብዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተበይኑዎም ዝነበሩ'ዮም።

እዞም ዉልቀሰባት፡ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ተገይሩሎም ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝጸንሑን ኮይኖም፡ ብሰንኪ ዕድሚኦም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ስዝተጠቕዑ ብናጻ ክወጽኡ ሓሳብ ከም ዝቐረበ ኣቶ ኣወል ተዛሪቡ።

"ንሕና ዘለውሉ ኩነታት ኣይንፈልጥን፤ ከም ዝሓሙ ግን እቲ ኤምባሲ ገሊጹልና'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እንተዝወጽኡ ዝብል ሓሳብ እቲ ኤምባሲ ኣቕሪቡ ኣሎ" ኢሉ።

ዓቃቢ ሕጊ ድማ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲን ማእሰርቲ ንሕልፈትን ክንከን ከምኡ'ውን ብይቕሬታ ክፍትሑን ዝብል ናብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሕቶ ከም ዘቕረበ ገሊጹ።

"እዞም ውልቀሰባት ፈጺሞምዎ ዝተባህለ ገበን ብይቕሬታ ዘውጽእ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ነጻነቶም ስኢኖም ጸኒሖም'ዮም" ይብል ኣቶ ኣወል።

ብመሰረት ሕቶ ዓቃቢ ሕጊ፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንሕልፈት ክኽውን ምስ ገበረት፡ ዓቃቢ ሕጊ እቶም ውልቀሰባት ብሕድገት ንክፍትሑ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቶ ከም ዘቕርብ ኣቶ ኣወል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እታ ፕረዚደንት ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ንሕልፈት ክቕየር ገይራ'ያ። ኣብ ቐጻሊ እዞም ውልቀሰባት ዝነበርሉ ኩነታት ካብ ጥፍኣቶም ክምሃሩ ስለ ዝገበሮም ክወጽኡ ዝኽእልሉ ናይ ሕጊ ኩነታት ንምርኣይ ጻዕሪ ክግበር እዩ። በዚ መሰረት እዞም ሰባት ብኣመክሮ ንክወጽኡ ሰኑይ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ክንልእኽ ኢና" ኢሉ።

ሰራዊት ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ሓደ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማርያም ስልጣኑ ገዲፉ ናብ ዙምባብወ ምስ ሃደመ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዮም እዞም ሰበ ስልጣን ናብ ኤምባሲ ጥልያን ኣትዮም።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ፈጺሞምዎም ብዝተባህሉ ገበናት ክሲ ተመስሪቱዎም ድማ ኣብ ዘይተረኽቡሉ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተፈሪዱዎም።

መንግስቲ ጥልያን ነዞም ውልቀሰባት ኣሕሊፉ ክህብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እንተሓተተ'ውን ጥልያን ከይተቐበለቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣዕቚባቶም ጸኒሓ።

መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ሃገር ምስ ወጽአ እቲ ናይ መሪሕነት ቦታ ሒዙ ዝነበረ ሌፍተናል ጀነራል ተስፋዬ ገብረኺዳንን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ኣቶ ሃይሉ ይመኙን'ውን ኣብቲ ኤምባሲ ተዓቊቦም ዝነበሩ'ዮም።

ክልቲኦም ግን ኣብቲ ኤምባሲ እናሃለው ብዝተፈላለየ ምኽንያት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን ደርጊ ፈጺሞምዎም ብዝተባህሉ ገበናት ከቢድ ክሲ ተመስሪቱዎም እቲ መስርሕ ፍርዲ ንዓመታት ምስ ተራእየ መብዛሕትኦም ናይ ሞትን ማእሰርቲ ሕልፈትን ተፈሪዱዎም'ዩ።

ገለ ሰበ ስልጣን ደርጊ ን20 ዓመታት ምስ ተኣሰሩ ብምሕረት ናጻ ከም ዝወጽኡ'ውን ይፍለጥ።