እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ ዝጸንሑ 17 ሰባት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እቶም ሰባት 14 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ፡ 2 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ኣብ ጾሮና ኣብ ዝርከብ ማእከል ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኩሎም "ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ዜጋታት" ምዃኖም'ውን እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን፡ 14 ተለኺፎም ዝጸንሑ ሰባት ሓውዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ክሳብ ሎሚ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተለኽፉ 480 በጺሑ'ሎ። ካብዚኦም 426 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።
ኣብዚ እዋን'`ዚ 54 ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ፈለማ ውርሒ ሚያዝያ ዝተኣወጀ ዕጽዋ፡ ብኸፊል'ኳ ክፈኩስ ጀሚሩ እንተነበረ፡ ጸኒዑ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብዘይካ፡ ኮሌጃትን፡ ማእከል ስልጠና ሳዋን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድርን ኣየርን ተኣጊዱ ይርከብ።
ብሰንኪ'ዚ ጥምየትን ዝተፈላለዩ ናይ መነባብሮን ጸገማት ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
ዛጊት ኣብታ ሃገር ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ይፍለጥ።