ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ 'ናብ ፍጹም ሓድነት ዘምርሕ' ምውህሃድ ክገብሩ ተሰማሚዖም

Published

ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ጥርናፈታትን፡ "ልኡላውነት ኤርትራ" ካብ "ሓደጋ" ንምድሓን ተወሃሂዶም ክሰርሑ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ንምእላይ ዝቃለሱ ዘለዉ "ተቓወምቲ ሓይልታት" ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘላ ገሊጾም።

"ሎሚ ሃገርና ኣትያቶ እትርከብ፡ ንህላወኣ ዝፈታትን ኪቢድ ፖለቲካውን፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ቅልውላዋት ብምህላዉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ስቓይን መከራን" ኣብ ምሕጻር ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝወሰኑ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ኣየፍቅድን'ዩ።

እዞም ነዚ "ሓባራዊ መግለጺ" ዝፈረሙ ሓይልታት፡ ነቲ ምውህሃድ ዘተግብር ኣወሃሃዲ ሽማግለን፡ ሓይልታት ዕማምን ከምዘቖሙ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንሓድሕዶም ስኒት ዘይብሎም፡ ንዝገበርዎ ሓድነት ከፍርሱ ዝጸንሑን ተባሂሎም'ዮም ዝንቀፉ። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ኣድማዕቲ ከምዘይኮኑ ይንገረሎም።

ኣብቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ዝተሳተፉን ዝፈረሙ ኣካላት፣ ንጽል ውድባትን ጥርናፈታትን ይርከብዎም። እቲ ኣኼባ ኣብ መጋቢት 2020 ክካየድ ተመዲቡ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ብመንገዲ ኢንተርነት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

እቲ ብዙሓት ውድባት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)፣ ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ውሓዲለ) ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን (ውሓኤፍ) ነቲ ስምምዕ ፈሪሞምሉ ኣለዉ።

እቲ ስምምዕ፡ "ናብ ፍጹም ሓድነት" ዝመርሕ ምዃኑ፡ እቲ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ጠቒሱ።