ኮሮናቫይረስ፡ ንምንታይ’የን ሃገራት ጃምላዊ መርመራ ክገበራ ዝምዓዳ ዘለዋ?

ንምንታይ'የን ሃገራት ጃምላዊ መርመራ ክገበራ ዝምዓዳ ዘለዋ?

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

Published

ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሕጂ 36.5 ሚልዮን ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም ኣሎ። ካብዚኦም ልዕሊ 4.2 ሚልዮን ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።

ገለ ገለ ሃገራት ክንደይ ሰብ መርሚረን ሓበሬታ ስለዘይሃባ ቁጽሪ ዝተመርመሩ ካብዚ ክዛይድ ይኽእል'ዩ።

ካብዞም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም፤ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ክሓውዩ እንከለዉ ሞት ልዕሊ 285 ሽሕ ድማ ተመዝጊቡ'ሎ።

ኣሜሪካ እታ ዝበዘሐ ዝመርመረት ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዘለዉዋ (ልዕሊ 1.3 ሚልዮን) ሃገር ክትከውን እንከላ ኣስታት 9.5 ሚልዮን ሰባት መርሚራ ኣላ።

ሃገረ ሩስያ ድማ 5.6 ሚልዮን ብምምርማር ንኣሜሪካ ተስዕባ።

ኩለን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ መጠን መርመራ'የን ዝገብራ ዘለዋ፤ ንምኳኑ ሃገራት ንምንታይ'የን ጃምላዊ መርመራ ክገበራ ዝምዓዳ።

ክሪስ ሞሪስ ላዕለዋይ ሓላፊ 'ሪያሊቲ ቸክ ቢቢሲ' ኣገዳስነት ጃምላዊ መርመራ በዚ ዝስዕብ ኣብሪህዎ'ሎ።

Presentational grey line

ንኮሮናቫይረስ ንምስዓር፡ ክንደይ ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ፡ ኣበይ ምዓስን ከመይን ምፍላጥ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣገዳሲ'ዩ።

ነዚ ክትፈልጥ ከኣ ክትምርምር ስለዘለካ ኣገዳስነት ጃምላዊ መርመራ ዓቢ'ዩ።

ምምርማርና ኣብ መጻኢ መን ክልከፍ ይኽእል፡ ኣብ ዝሓለፈኸ መን ተለኺፉ ክኸውን ይኽእል ከምኡ'ውን መን'ዩ ክውሸብ ዘለዎ ክንፈልጥ ስለዘኽእለና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር የቅልለልና።

ክልተ ዓይነት መርመራ ድማ ኣለዉ።

እቲ ሓደ ካብ ጎሮቶም ኣፍንጫን ብዝውሰድ ቅምሶ ህላወ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ሰብ ክንፈልጥ ንክእል፡ እዚ ከኣ ዋላ ኣብቶም ምልክታት ዘይተራእዮም'ዩ ክግበር ዘለዎ።

ተለኪፉ ንዝጸንሐ ድማ ንፈልዮ እንተበርቲዕዎ ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ከምዝረክብ ንገብሮ።

ምስቲ ዝተለከፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ሰብ ድማ ክንፈልጦም ኣለና።

ጀርመንን ደቡብ ኮርያን እቲ ሕማም ኣብ ሃገረን ምስ ኣተወ ጃምላዊ መርመራ ብምግባረን ቁጽሪ ምውታት ኣብ ምጉዳል እወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊበናሉ'የን።

ከም ብዓል ዓባይ ብርጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ነቲ ዝሓለፈን ዕድል ከማልሳ ይጓየያ ኣለዋ።

እዚ ንምግባር ኸኣ እኩል መሳርሒ፡ እኩላት ሰብ ሞያን ከምኡ'ውን እኹል ቤተ ፈተነታት የድሊ።

ኢንዶኒዥያ ሓንቲ ካብተን ጃምላዊ መርመራ ዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት'ያ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ, ኢንዶኒዥያ ሓንቲ ካብተን ጃምላዊ መርመራ ዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት'ያ

እቲ ካልኣይ ኣገባብ መርመራ ኣቐዲምካ ከይፈለጥካ ተለኺፍካ ኔርካሞ ዝሓወኻ ምኳንካ ዝሕብር ኣገባብ'ዩ።

እዚ ከኣ ኣብ ኣካላት እቲ ውልቀሰብ ብዘለዉ ጸረ ተሃዋስያን'ዩ ዝፍለጥ፡

እዚም ተሃዋስያን እዚኦም ናይቲ ሰብ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ብምጉልባት ንባክተርያን ቫይረስን ናይ ምምካን ዓቕሙ የጎልብትዎ።

እንተኾነ እዚ ከምዚ ዓይነት መመርመሪ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ኣይኮነን፡

ተመራመርቲ ዘይብቁዕ መመርመሪ ኣብ ዕዳጋ ምህላዉ ድማ ሻቕሎቲም ይገልጹ ኣለዉ።

ካብ ብዘይብቁዕ መሳርሒ ምምርማር'ሞ ዘይቅኑዕ ውጽኢት ካብ ምርካብ ጠቅሊልካ ዘይምምርማር ይሓይሽ።

ናይ መጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ዝፍለጠሉ ኣገባብ ምርመራ ኣብ ምምዕባል ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።

እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ እንተኽኢሉ፡ መን ናይ ምጽዋር ዓቅሚ ኣለዎ ክንፈልጥ ከኽእለና'ዩ።

ኣብ ሓደ ሰብ ዘሎ ጸረ ታህዋስያን ክሳብ መዓስ'ዩ ንኮሮናቫይረስ ናይ ምጽዋር ዓቅሚ ዘለዎ ስለዘይፍለጥ ግን እቲ ኣብዚ ሕጂ ክንገብሮ ንኽእል ጃምላዊ መርመራ እዩ፡።

ፈውሲ ወይ ክታበት ክሳብ ዝርከብ ድማ መርመራ ምግባር እቲ እንኮ ንለበዳ ኮሮናቫይርውስ ደው ከነብለሉ ንኽእል መንገዲ'ዩ።

Presentational grey line

ብዙሕን ውሑድን መርመራ ዝገበራ ሃገራት ኣፍሪቃ

ኣብ ኣፍሪቃ ንኣሽቱ ሃገራት ልዕሊ እተን ዓበይቲ ሃገራት'የን ኣብ መስርሕ መርመራ ዓቢ ዓወት ዘመዝግባ ዘለዋ።

ሃገራት ሞሪሽየስን ጂቡትን ከም ኣብነት እንተወሲድና ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር ልዑል ቁጽሪ ሰብ እየን መርሚረን ዘለዋ።

ጋና እውን ኣብ ብዝሒ ዘካየደቶ መርመራ ዝነኣድ ቁጽሪ እያ ኣመዝጊባ ዘላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ መርመራ ዝገበረት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ክትምርምር ክኢላ ኣላ።

እዚ ቁጽሪ'ዚ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ'ዩ ዝልዓለ ኮይኑ ዘሎ'ምበር ምስ ደቡብ ኮርያ፡ ኢጣልያን ጀርመንን ምስ ዝነጻጸር ኣዝዩ ትሑት እዩ።

እታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ናይጀርያ ግን እኹል መርመራ ብዘይምግባራ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግን ኣብቲ ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉሉ ከባቢታት ኣቶኲሩ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝገለጽ።

ኣብ ናይጀርያ ትርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቺ ቺ ኢዙንዱ "ኣብ መዓልቲ 5000 ሰባት ክምርመሩ እዩ ውጥን ተታሒዙ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓልቲ 1000 ሰባት'ውን ይምርመሩ የለውን" ትብል።

ከም ኤርትራን ኣልጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኸኣ ክንደይ ሰብ ከም ዝመርመራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃባን ዘለዋ።

ገለ ሃገራት እውን ጠቕሊሉ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዘይብለን ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ድማ መርሚረን ክንሰን ነቲ ሓበሬታ ምቅላዕ ጸገማት ኣለዎ ኢለን ዝሓስባ'የን።

ንኣብነት ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ብዝሒ ዝተመርመሩ ንህዝቢ ምሕባር ፍርሒ ከስርጽ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

ሃገሩ'ውን ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ጸጸኒሓ እያ ንህዝባ ሓበሬታ ትህብ፡ ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ቁጽሪ ናይቶም ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ጥራይ ትገልጸሉ እዋን ኣሎ።

መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ናይጄሪያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት ኣፍሪቃ መርመራ ከይገብራ እንታይ'ዩ ዕንቅፋት ዝኾነን ዘሎ?

ጠለብ መመርመሪ ኣቚሑ ኮሮናቫይረስ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እዩ በጺሑ ዘሎ። እዚ ኸኣ ዓቢ ቅድድም ፈጢሩ ይርከብ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ መመርመሪ እተፍሪ ሃገር ኸኣ ክሳብ ሕጂ የላን።

ዳይረክተር ጀነራል ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ "ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ስለዝላሕለሐ፡ ዓለምለኻዊ ውህደት ዘይምህላዉ ኸኣ ንኣፍሪቃ ካብ'ዚ ዕዳጋ ኣልይዋ'ሎ" ይብል።

ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ ብምስዓብ "70 ሃገራት፡ ካብ ሃገራተን ሰደድ ናይ መድሃኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ከይግበር ስለዝኣወጃ ኣገዳሲ መሳርሒታት ሕክምና ምርካብ [ምግዛእ] ኣሸጋሪ ገይርዎ ይርከብ። ኣፍሪቃ ኸኣ ግዳይ ኮይና'ላ" ይብል።

እቲ ካልእ፡ ሃገራት ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ኣንቢረን ስለዘለዋ፡ ብወለንተኦም ክምርመሩ ዝደልዩ ሰባት ናብ መርመሪ ማእከላት ከይዶም ነብሶም ከይፍትሹ ጸገም ስለዝኾኖም'ዩ።

እንተኾነ ዶክተር ንጎዚ ኢሮንዱ ካብ ቻታም ሃውስ (ሴንተር ኦፍ ዩኒቨርሳል ሄልዝ)፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት መመርመሪ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።

"እኹል መመርመርን ምውህሃድን የለን"

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጀርያ ኣብዚ ሕጂ እዋን 18 መመርመሪ ማእከላት ኮሮናቫይረስ ኣለዎ።

እንተኾነ ሓለፍቲ እዚ ማእከል፡ እኹል መርመራ ንምግባር ኣገደስቲ መሳርሒታትን ቀመማትን ክመጽኦም ምሕጽንተኦም ናብ መንግስቲ ናይጀርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኬንያ'ውን ሕጽረት መመርመሪ የጋጥማ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ከም ውጽኢቱ እቲ መዓልታዊ ትገብሮ ዝነበረት ብዝሒ መርመራታት ክውሕድ ተራእዩ።

ሓደ ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኬንያ፡ እታ ሃገር 5 ሽሕ መመርመሪ ከምዘለዋን 24 ሽሕ መመርመሪ ክመጽኦም ይጽበዩ ምህላዎም'ውን ሓቢሩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ድላይካ ከም ድላይካ መርመራ ክትገብር ስለዘየፍቅድ ሓደ ሮቋሒ ኮይኑ ክቕመጥ ይኽእል እዩ።

ዶክተር ንጎዚ ኢሮንዱ፡ "ኣብ ገለ ሕብረትሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ኢንታ ተሓሲቡ ተነጸሎ ዘስዕብ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ገለ መራሕቲ'ውን ምስ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተተሓሒዙ፡ ምርጫ ከይሰናኸሎም መርመራ ክካየድ ዘይደልዩ ኣለዉ" ይብል።

ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኣፍሪቃ ሓደ ተበግሶ ብምንቃል እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

እቲ ተበግሶ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ሳምንታት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 1 ሚልዮን ሰባት መርመራ ክግበረሎም እዩ ከም ውጥን ሒዝዎ ዘሎ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤስያ ጀሚሩ ድሒሩ ናብ ኣፍሪቃ ስለዝኣተወ ነታ ኣህጉር ኣቐዲማ ቅድመ ምድላዋት ንኽትገብር እኹል ዕድል እዩ ፈጢሩላ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ መኸተ ኢቦላ ዝደለበቶ ተመክሮ ኮሮናቫይረስ ንኽትምክት ሓደ ንጹፍ ባይታ እዩ።

እንተኾነ እዚ ሕሉፍ ተመክሮ ብዘይ መመርመርን፡ ትሑት ዓቕሚ ተወዳዳርነትን (ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ) ዓወት ክምዝገብ ትሑት ተኽእሎ እዩ ዘሎ።

እተን ብቐደሙ'ውን ትሑት ትሕተ ቅርጺ ትካላት ጥዕና ዝነበረን ሃገራት ግን ሕጂ'ውን እቲ ብድሆ ኣብ ዝባነን እዩ ዘሎ።

ኮሮና
ኮሮና