ፕረዚደንት ብራዚል ኣብ ጎደና ብምውጻእ ንመግስታዊ ዕጽዋ ተቓዊሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ፕረዚደንት ጃይር ቦልሶናሮ፡ ነቶም ንመንግስታዊ እገዳታት ኮሮናቫይረስ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ዜጋታት ደገፉ ምግላጹ ነቐፌታ ኣስዒቡሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቶም ኣብ ዞባታቶም፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእ ዕጽዋን ምንቅስቓስ እገዳታትን ዝገበሩ ኣመሓደርቲ ክጋጮ ጸኒሑ'ዩ።
ብራዚል፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝተረኽቡላ ሃገር'ያ። ዛጊት፡ 2, 400 ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 38, 000 ተለኺፎም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ብሰንበት፡ ኣብ ርእሰከተማ ብራሲልያ፡ ምስቶም ኣብ ፊት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብምሕዋስ ደገፉ ክገልጽ ተሰሚዑ።
እቶም ሰልፈኛታት ንውልቃዊ ናጽነታት ደው ዝበሉ "ሓርበኛታት'ዮም" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ንዕጽዋ ዝደገፈ ሚኒስተር ጥዕና ካብ መዝነቱ ኣውሪድዎ ነይሩ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ዕጽዋን እገዳታትን ንቁጠባ ብራዚል ይሃስዮ ኣሎ ክብል'ዩ ዝማጎት።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
