ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ክራኸብ እዩ

ታትሟል

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉትረስ፡ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቡ ክዝቲ ምዃን ተሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ዛጊድ ዝተገብሩ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘይተዓወቱ ብምዃኖም፡ ካብቲ ዘተ ትሑት ትጽቢት እዩ ዘሎ።

ኣብ መንጎ ጉትረስን፡ ፕረዚደንት ፑቲንን ዝግበር ዘተ፡ ብቐንዱ ኣብ'ታ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋን ኣብ ከበባን እትርከብ ከተማ ማርዩፖል ዘትኮረ ከም ዝኾነ እዩ ዝንገር።

ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ከም ዝተቐጻጸሩ ዜና ዓወት እንተንገሩ'ኳ፡ ዛጊድ ገዚፍ ስራሕቲ ሓጺን መጺን ዝካየደሉ ኣዞቭስታል ዝተባህለ ማእከል ፋብሪካ ክቆጻጸሩ ከምዘይከኣሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓይልታት ዩክሬን፡ መውጽእን መእተውን እቲ ገዚፍ ፋብሪካ ይዓጽዩዎም ከም ዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ፋብሪካ፡ ብዙሓት ሰላማዊ ሰባት ዘጽለሉ ኮይኖም፡ ጉተረስ ሰራዊት ሩስያ መውጽኢ ኮሪደር ክኽፈተሎም ከረጋግጽ ይሓቱ ኣለዉ።

ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ተዘራረበ፡ ኣብ መጻኢ ሓሙስ ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪቭ ክጓዓዝን ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክረክብን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ድማ፡ ንዩክሬን ዝወሃብ ኣጽዋር ውግኣት ኣመልኪታ ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርርብ ክትጅምር ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦውስቲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጀርመን ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ተጸሚዱ ከም ዘሎ ይዝረብ።

እዚ ምዕባለታት ዝመጽአ ዘሎ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌ ላቭሮቭ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅመር ይኽእል እዩ -ዝብል መጠንቀቕታ ኣብ ዘሕለፈሉን ንኪቭ ብምግዳድ ኣብ ዝኸሰሰሉን እዋን እዩ።

ሚኒስትር ወጻኢ ዩክረይን ብወገኑ ሃገራት ዓለም ንዩክሬን ከይሕግዛ ንምፍርራሕ ዝተኣነበ ተንኮል ክብል ነጺግዎ ኣሎ።