ሱዳን፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋሞም ተኣሲሮም ዝጸንሑ እሱራት ተፈቲሖም

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ሰብመዚ ሱዳን፡ ምስቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ ዝጸንሐ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ 125 እሱራት ፖለቲካ ከምዝፈትሑ ተፈሊጡ።

ወተሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዝጸንሐ ህጹጽ እዋን ብሰንበት ምልዓሉ ይዝከር።

እቶም ዝተፈትሑ፡ መራሕቲ ናይቲ ብ'ረሲስታንስ ኮሚቲታት' (ሽማገለታት ተቓውሞ) ዝፍለጥ፡ ኣንጻር ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞታት ምዃኖም፡ ጠበቓታት ናይቲ ጉጅለ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቶም ተፈቲሖም ዘለዉ እሱራት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ርእሰከተማ ካርቱም፡ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እትርከብ ከተማ ራባክ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም።

እቶም ህዝባውያን ሽማገለታት ተቓውሞ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ንዝነበረ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምውጋድ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ከወሃህዱ ዝጸንሑ'ዮም።

እቲ ዕልዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ፡ ሱዳናውያን ን7 ኣዋርሕ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ኣዘዝቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ክጠልቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ምፍታሕ ናይቶም መራሕቲ ተቓውሞ ዝኾኑ ጉጅለታትን፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን መራሕቲን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ቀጥታዊ ልዝብ ንክጅመር መንገዲ ዝጸርግ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ዋላ'ኳ ገለ ወገናት ከይሳተፉ እንተወሰኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተጀመረ ተበግሶ ልዝብ ይቕጽል ምህላዉ ይዝረብ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሪሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታውን ነቲ ቤት ምኽሪ ብምፍራስን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀ ይዝከር።

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተኻየደ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ሕዩር ገዛ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ካብ ማሕዩር ተፈቲሑ ብ 20 ሕዳር 2021 ናብ ስልጣኑ'ኳ እንተተመልሰ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ ፈለማ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይዝከር።

ሱዳን፡ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣል-በሺር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ጀሚራ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ትርከብ።