ፍልጥቲ ሱዳናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምለኻዊ ሽልማት ተዓዊታ

ፍልጥቲ ሱዳናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሚራ ዑስማን ሓምድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ሱዳን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት ተኣሲራ ዝነበረት ፍልጥቲ ሱዳናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓለምለኻዊ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ተዋሂባ።

ኣሚራ ዑስማን ሓምድ ሓንቲ ካብቶም ናይ’ዚ ዓመት ተዓወትቲ ‘ፍሮንትላይን ዲፈንደርስ ኣዋርድ ፎር ሂዩማን ራይትስ ዲፈንደርስ ኣት ሪስክ’ ከምዝኾነት እቲ ትካል ብዓርቢ ኣፍሊጡ።

እታ ብሞያ መሃንዲስ ዝኾነት ጓል 40 ዓመት ተሓላቒት ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ክትቃለስ ምጽንሓ ይግለጽ።

ንሳ ንባዕላ ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነትን ኣብ 2013 ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ርእሰን ንምሽፋን ዝወድይኦ መጎልበቢ ርእሲ ንምግባር ፍቓደኛ ብዘይምዃና ኣብ ቀይዲ ኣትያ ምንባራን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2002 ስረ ብምልባሳ ክሲ ክምስረታ እንከሎ፡ ኣብ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዝኣ ተወሲዳ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ሰባት ኣብ ዘይትራኸበሉ ስፍራ ተቐዪዳ ኔራ።

“እንተኾነ ካብ ተልእኾኣ ፍሕት ኣይበለትን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት’ውን ትሳተፍ ነይራ” ኢሉ ፍሮንትላይን ዲፈንደርስ ንተዓወትቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ማሕበር መማህራን ገጠር ዚምባብወ’ውን ትሑት መሃያን ኩነታት ስራሕን መምህራን ገጠር ንምምሕያሽ ብዝዓመሞ ንጥፈታት ነቲ ሽልማት ከምዝበቕዐ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ትካል ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቤላሩስን ሜክሲኮን ዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት ሸሊሙ ኣሎ።