ኣኽላባት ካብ ገጽና ሓጐስን ሓዘንን ከንብቡ ይኽእሉ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድርኡ'ውን ብዘይምኽንያት፡ ከልቢ ብሉጽ ዓርኪ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ኣይምተሰምየን ነይሩ።
ኣብ ከባቢና ሓዊሱ፡ ኣኽላባት ምስ ደቂ ሰባት ዘለዎም ርክብን ፍቕርን ተኣማንነትን ተደጋጊሞም ብዙሓት ዛንታት ክንገሩ ልሙድ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብኰምፒተር ሓገዝ ኣብ ሓንጎል ዝተስርሐ ምስሊ [ስካን] ፡ ሓደ ከልቢ ናይ ሰብ ገፅ ምስዝርኢ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ብልክዕ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ርግፅ እዩ፡ ኣኽላብ ምስ ወዲሰብ ናይ ምርዳእ ክእለት ከም ዘለዎም ካብ ነዊሕ እዋን ንፈልጥ ኢና።
እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ግን፡ ከልብኻ ኣብ ገጽካ ዘሎ ስምዒታትካ ከንብብን ክትርጉሞን ከምዝኽእል ዘርኢ እዩ።
እቲ ኣብ መጽሔት 'ኣይሳይንስ' ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣኽላባት ኣብ ገጽ ወዲ ሰብ ሓጎስ ከለልዩ ይኽእሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣኽላባት ኣሉታዊ መግለጺ ገጽ'ውን ክፈልዩ ከም ዝኽእሉ ንመጀመርታ ብመርትዖታት ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ተሳተፍቲ ኣኽላባት ሕጉስ ገጽ ዘለዎም ዘይፈልጥዎም ሰባት ስእሊ እናረኣዩ ሓንጎሎም ስካን ተገይሩ።
እቶም ስእልታት፡ ምስ ዝለዓለ ሓጐስን ድስታን ዝተኣሳሰሩ ክፍልታት ሓንጎል [ቴምፖራል ኮርተክስን ካውዴት ኒውክለስን] ናይቶም ኣክላብ፡ ብርሃን ከም ዘመንጭው የርእዩ።
ቀፂሎም ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣወንታዊን ኣሉታውን ስምዒታት፡ ኸመይ ከም ዝፈላልዩ ንምርዳእ፡ ተመራመርቲ ን12 ኣኽላባት ስእልታት ሓጎስ፡ ሕርቃን፡ ፍርሕን ጓህን ሓዊሱ ዝተፈላለየ ስምዒታት ዘርእዩ ሰባት ኣርእዮሞም።
እቲ ነዚ ስምዒታት ዝምልከት ክፍሊ ሓንጐሎም [ቴምፖራል ኮርተክስ-ካውዴት ኒውክለስ ኔትወርክ] ነቶም ዝተሓጎሱ ገጻት ጥራይ እዩ ምላሽ ዝህብ ነይሩ።
ሓንጎል እቶም ኣኽላባት ንነገራት ናብ 'ጽቡቕ'ን 'ሕማቕን' ምምዳብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕርቃንን ጓህን ዝፈላልዩ ዝተሓላለኹ ሓሳባት የስተንነትን ነይሩ።
ዝያዳ ዝተገብረ ትንተና ምሉእ ምስሊ ሓንጐል ድማ፡ እቶም ኣኽላባት ኣብ መንጎ ሕርቃን፡ ሓዘን ወይ ፍርሒ ዝመልኦ ስምዒታት ፍልልይ ክፈልጡ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት ፍሉይ ቅዲ ንጥፈታት ረኺቡ።
ቀንዲ ኣካያዲ እቲ መፅናዕቲ፡ ራውል ሄርናንደዝ-ፔረዝ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና፡ "ደቂ ሰባት ኣብ ገጽ ዝርአዩ ንኣሽቱ ዝርዝራት ነገራት ከይተረፈ፡ ኣብ ምልላይ ብሓቂ ንፉዓት እዮም፡ ኣኽላባት'ውን ግን ልክዕ ከም ሰባት ኣዝኦም ንፉዓት እዮም" ይብል ።
"እዚ ባህሪ ኣኽላባት፡ ኣዝዩ መሳጢ ይገብሮ። ሓንጎሎም ብምጽናዕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘለዎም መስተንክር ማሕበራውን ስምዒታውን ርድኢት ንምድጋፍ፡ እንታይ ዓይነት ምትዕጽጻፍ ከምዘድሊ ክንርዳእ ንኽእል።"
እቲ ምናልባት ኣዝዩ ዘድንቕ ነገር ድማ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት፡ ኣኽላባት ስምዒት ንምዕቃን ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ድምጽን ጨናን ወዲ ሰብ'ውን ክጥቀሙ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ።
እማን እዩ፡ ምትእስሳርን ርክባት ንምፍጣርን እዚታት ንጥፈታት ናይ ግድን ዘድልዮም ኣይመስልን።
"ሰባት ንኣኽላባት ከም ስምዒታዊ ፍጡራት ክርእይዎም እንተትጅመሩ ደስ ይብለኒ" ትብል ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት፡ ላውራ ኳያ።
"ስምዒትና ንምርዳእን ምሳና ንምትሕብባርን ምሳና'ዮም እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፡ እዚ ድማ ምስኦም ክንራዳዳእን ክንሓልየሎምን ከምዝግበአና ዘመልክት'ዩ"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



