ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ምስ ዘለንስኪ 'ቀጥታዊን ዕቱብን ዝርርብ' ከካይድ ተሓቲቱ

ፕረዚደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ "ቀጥታዊ ዕቱብ ዝርርብ" ከካይድ ከም ዝሓተትዎ ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ጀርመን ገሊጹ።

ኣማኑኤል ማክሮንን ኦላፍ ሾልዝን ምስ ፑቲን፡ ጉዳይ ዩክረይንን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣልዒሎም ብተሌፎን ን80 ደቓይቕ ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ጀርመን፡ ክልቲኦም፡ "ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብልን ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ክስሕብን ሓቲቶምዎ'ለው" ክብል ይገልጽ።

መራሒ ሩስያ፡ ሞስኮ ምስ ኪቭ ዳግማይ ዘተ ክትጅምር ድልውቲ ከም ዘላ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ፑቲንን ዩክሬናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣይጠቐሰን።

ፕረዚደንት ዩክረይን ኣቐዲሙ ንዝርርብ ብዙሕ "ህንጡይ" ከምዘይኰነ'ኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ግን ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝኣመን ገሊጹ ነይሩ።

ሩስያ ብ24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ካብ ርሑቕን ብኣካልን ሓያለ ዙርያታት ዘተ ኣካይዶም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ግን እቲ ዝጸንሐ ጻዕርታት ደው ኢሉ እዩ።

ፈረንሳን ጀርመንን ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ከም ምሩኻት ኲናት ዝተወስዱ 2500 ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ ክፈትሕ ተማሕጺነናኦ ኣለዋ።

እቲ ዓቢይ ፋብሪካ ሓጺን፡ ኣብታ ካብ ሓይልታት ሩስያ ዝወረዳ ደብዳብ ቦምባታት ነዊሕ ተጻዊራ፡ ሕጂ ግን ዑና ኰይና ዘላ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ማርዮፖል ዝርከብ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሰበስልጣን ሩስያ እቶም ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ፋብሪካ ዓሪዶም ዝነበሩ ዩክሬናውያን ተቓለስቲ ኢዶም ከምዝሃቡ ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን ንኽወጹ ፍቓድ ከምዝተዋህቦም እዩ ዝዛረብ።

ዝዓነወ ፋብሪካ ሓፂን ኣብ ወደባዊት ከተማ ማርዩፑል ዩክሬን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዩክሬን እቶም ንፋብሪካ ሓፂን ኣዞቭስታል ክከላኸሉ ኣብ ኢድ ሩስያ ዝወደቑ ወተሃደራታ ኣካል እቲ ዝካየድ ምቅይያር ምሩኻት ክኾኑ ትጠልብ

ሩስያ ኣቐዲማ፡ ልዕሊ 900 ካብቶም ዩክሬናውያን ናብታ ኣብ ዝሓዘቶ ግዝኣት ዶነስክ ትርከብ 'ኦሌኒቭካ' ዝተባህለት ቁሸት ዝተኸፍተ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተሰጋገሩ ገሊጻ ነይራ። ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ብኸቢድ ዝቘሰሉ ዩክሬናውያን'ውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም እዮም።

ዩክረይን ከም ኣካል ናይቲ ዝግበር ምልውዋጥ እሱራት፡ ዜጋታታ ክፍትሑ ተስፋ'ኳ እንተለዋ ኣለዋ፡ ሩስያ ግን ነዚ ኣየረጋገጸትን። ገለ ኣባላት ባይቶ ሩስያ፡ እቶም ተታሒዞም ዘለው ዩክሬናውያን ክፍረዱ ወይ ክቕተሉ ይከራኸሩ ከም ዘለው ይፍለጥ።

ኣብቲ ሰለስቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ብተወሳኺ፡ መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን፡ ሰደድ እኽሊ ንምርግጋእ ምእንቲ ክሕግዝ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ወደብ ኦዴሳ ዩክረይን ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ከተልዕሎ፡ ንፑቲን ተማሕጺኖምዎ።

ፑቲን ብወገኑ ንሓደጋ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ንምፍታሕ ክሕግዝን ኣማራጺታት ክርኢን ምዃኑ ቃል ብምእታው፡ እንተዀነ ምዕራባውያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣሕሊፎምዎ ዘለው እገዳታት ከልዕሉ ሓቲቱ'ሎ።

ሩስያ ብተወሳኺ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ንዩክረይን ዝገብራኦ ዘለዋ ቀረብ ኣጽዋር፡ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ደው ከብላኦ ኣጠንቂቓ።

ኣብ ዩክረይን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት ከም ዘለዎ እናቐጸለ፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቀጥታዊ ዝርርብ የካይዱ ምህላዎም ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ንዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ዝገብርዎ ጻውዒት፡ እቲ ብዅሎም ምዕራባውያንን መሻርኽቶምን ዘይተደገፈ ገስጋስ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዶንባስ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዩ። ዝያዳ ስግኣት ምዕራባውያን እዚ እዋን ድማ፡ ዩክሬናውያን ምእንቲ ሰላም ክብሉ መሬት ንኽለቍ ጸቕጢ ከይስዕብ ምዃኑ ይንገር።

ተነፀልቲ ሓይልታት ኣንፃር መንግስቲ ዩክሬን ዘቕንዐ ሚሳይላት እናወንጨፉ - 28 ግንቦት 2022

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተነፀልቲ ሓይልታት ኣንፃር መንግስቲ ዩክሬን ዘቕንዐ ሚሳይላት እናወንጨፉ - 28 ግንቦት 2022

እዚ ዅሉ ዝሰዓበ፡ ሞስኮ ነታ ወሳኒት መስቀላዊት ከተማ ሊማን ከም ዝሓዘታ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ሰቨሮዶነስክ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ'ውን ትቕጽል ኣላ። እታ ኢንዱስትርያዊት ከተማ ዩክረይን ንመዓልታት ተኸቢባ ጸኒሓ'ላ፣ ዩክረይን ከኣ ንሓይልታታ 'ስትራተጂያዊ ምንስሓብ' ክትእዝዝ ዘሎ ተኽእሎታት ዘመልክት ጸብጻባት ይቐርብ ኣሎ።

ከመይነት 'ዚ ፈተነታት ዲፕሎማሲ ንምድምዳም ሃወኽ ዝኸውን'ኳ እንተዀነ፡ ምብትታን ምዕራባዊ ኪዳን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ዘመላኽት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ዝተፈላለዩ መርገጺታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም ኣለዉ።