ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ - ፕረዚደንት ማክሮን

ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን [ጸጋም] ከምኡ'ውን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን [ጸጋም] ከምኡ'ውን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ
Published

ጉዳይ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ስትራስበርግ ንፓርላማ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዩክረይን ውሳነ እናተጸበት እንከላ፡ ናብ ኣውሮጳዊ ማሕበረሰብ ክትጽምበር ከምእትኽእል ተዛሪቡ።

እዚ፡ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮና ሃገራት ብኻልእ መገዲ ንጸጥታዊ መዋቕር ኣውሮጳ ክጽምበራ ዘፍቅድ ምዃኑ ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝብል ዘሎ፡ ሩስያ ንምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ-ዩክረይን ንምቁጽጻር ከቢድ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ግና ሩስያ ብዙሕ ከምዘይሰጎመት ገሊጹ። ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ከቢድ ኲናት ይቕጽል ከም ዘሎ'ውን ሓደ ዩክሬናዊ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ተዛሪቡ።

ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምጽንባር ዝሓተተት፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "እቲ ናይ ምጽንባር መስርሕ ዓሰርተታት ዓመታት እንተዘይኮነ'ውን ዓመታት ከምዝወስድ ኩላትና ንፈልጥ ኢና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ነቲ መስፈርቲ ትሕት ክነብሎ እንተዘይወሲንና እቲ ሓቂ እዚ እዩ፤ ሓድነት ኣውሮጳና'ውን ዳግም ንሕሰብ" ኢሉ።

እንተኾነ ግና ንኣባልነት ዩክረይን ንምቅልጣፍ ንተሪር መምዘኒታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ምጉሳይ "ተጓዳኒ ኣውሮጳዊ ማሕበረሰብ" ከም ኣማራጺ ክረአ ከም ዘለዎ ማክሮን ተዛሪቡ።

"እዚ ነተን ብጂኦግራፍ ኣብ ኣውሮጳ ዝተደኮና ሃገራት ክንሕዘሉን ክብርታትና ክነካፍለሉን እንኽእል ሓደ መገዲ'ዩ" ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ማክሮን ነዚ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ኡርሰላ ቮን ደር ለየን፡ ፈጻሚ ኣካል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ሕቶ ኣባልነት ዩክረይን ፈላሚ ርእይቶኡ ክህብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

ሰብ መዚ ዩክረይን ብሰኑይ ከምዘረጋገጽዎ፡ ዩክረይን ምጽንባር ናብ ኣውሮዊ ሕብረት ኣመልኪታ ናብ ብራስለስ ካልኣይ ክፋል ጥርዓን ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።