ትዊተር ናይ ተጠቀምቱ መረዳእታ ኣሕሊፉ ሸይጡ ብዝብል ኣብ ኣሜሪካ 150 ሚልዮን ዶላት ተቐፂዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትዊተር ንሕጊ ብምጥሓስ ሓበሬታ ተጠቀምቱ ንትካላት ምውዕዋዕ ኣሕሊፉ ክብሉ ዝኸሰሱ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ፡ 150 ሚልዮን ዶላር ቅጽዓት ክኸፍል ኣለዎ ኢሎም።
ኮሚሽን ንግዲ ፈደራልን [Federal Trade Commission (FTC)] ክፍሊ ፍትሕን ኣሜሪካ ከምዝበልዎ፡ ትዊተር ንዝተሰማምዓሎም መምርሒታት ከምዝጠሓሰ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጾም።
ትዊተር፡ ከም ቍጽሪ ስልኪ፡ ኣድራሻ ኢመይል ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዓማዊሉ ኣሕሊፊ ከምዘይህብ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እንተዀነ እቲ ዓቢይ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቶም ዝተሰማምዓሎም መምርሒታት ከምጠሓሰ፡ ኣባላት ምርመራ ፈደራል ይገልፁ።
እቲ ኩባንያ ኣብ 2020 ኣብ ኣውሮጳ ንሕግታት ምስጢራውነት ዓማዊሉ ብምጥሓሱ፡ 400 ሽሕ ፓውንድ ተቐጺዑ ምንባሩ ይዝከር።
ኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ዘይመንግስታዊ ትካል ኰይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ጥሕሰታት ሕጊ ከይፍፀሙ ምክትታል እዩ።
ትዊትር ዝበዝሕ ኣታዊኡ ካብቶም ኣብ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ዝፍነው መወዓውዒታት'ዩ ዝረክብ።
ክፍሊ ፍትሒ ንኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ብምውካል ዘቕረቦ ጥርዓን ከምዘመልክቶ፡ ትዊተር ካብ 2013 ጀሚሩ ተጠቀምቱ ቍጽሪ ስልኮም ወይ ኢመይሎም ከቕርቡ ይሓትት'ዩ። ነዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ድማ ንውሕስነት ኣካውንት ዓማዊሉ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
"እዚ ግን ንእቶት ትዊተር ኣደንፊዑ፤ ንልዕሊ 140 ሚልዮን ተጠቀምቲ ትዊተር ዝጸለወ ኰይኑ'ሎ፡" ይብል ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ።
ማኔጂንግ ዳይረክተር 'ሰኪዩር ቲም' ናይ ዝተባህለ ትካል ድሕነት ኮምፒተር እያን ሬይኖልድስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ትዊተር ምእንቲ ረብሕኡን ምድንፋዕ እቶቱን ክብል ውልቃዊ ሓበሬታ ብምጥቃም ንእምነት ዓመዊሉ ዳግም ጥሒሱ'ሎ፡" ኢሉ።
እቲ ኩባንያ ንዓማዊሉ፡ "ምእንቲ ውሕስነት ኣካውንትኹም" ብዝብል፡ ውልቃዊ መረዳእታ እናወሰደ ንትካላት ምውዕዋዕ ኣሕሊፉ ይህብ ከምዘሎ ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
"እዚ ኵነታት ዘርእየና ነገር እንተሎ፡ ኩባንያታት ኣብ ውልቀ-ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ዓቕሚ ከምዘለዎም'ዩ" ይብል እያን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትዊተር ሓቀኛነት ወይ ልክዕነት ዓማዊሉ ንምርግጋፅ ቍጽር ስልኪ ወይ ኢመይል ከቕርቡ ከምዝሓትት ይፍለጥ።
እዚ ከኣ ሰባት መሕለፊ ቃል ክቕይሩ ወይ ዝተዓጸወ ኣካውንቶም ንምኽፋት'ውን ይጥቀምሉ።
እንተዀነ ትዊተር ብውሑዱ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ሓበሬታታት ንናይ ምውዕዋዕ ዕዳጋኡ ከምዝተጠቕመሎም ኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ይሕብር።
- ነዚ ስዒቡ ትዊተር ብዘይካ እቲ መቕጻዕቲ ገንዘብ ዝስዕቡ ተግባራት ክፍጽም ተባሂሉ'ሎ።
- ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣከቦም ቁጽሪ ተሌፎናት፡ ኣድራሻታት ኢመይልን ምጥቃም ደው ከብል
- ነቶም ሓበሬታታት ውሕስነት ብዘይኣገባብ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ንተጠቀምቱ ከፍልጥ
- ዓማዊሉ ብዛዕባ ስጕምቲ ምኽባር ሕጊ፡ ኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ክፈልጡ ክገብር
- ውልቃዊ ዝዀኑ መወዓውዒታት ብኸመይ ምዕፃው ከምዝከኣል መብርሂ ክህብን፤ ንመረጋገጺ ውሕስነት 'መልቲ ፋክተር' ዳግም ክኽልሶን
- ተሌፎን ዘይሓትት መረጋገጺ 'መልቲ ፋክተር' ከተኣታቱ
- ምዕቡል ዝዀነ ፕሮግራም ውልቃውነትን ውሕስነትን ከተኣታቱ ዝብሉ እዮም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
