ካሚል ቫስከዝ፡ ከይተሓስበ ውርይቲ ዝዀነት ጠበቓ ጆኒ ዲፕ

ካሚል ቫስከዝ፡ ከይተሓስበ ውርይቲ ዝዀነት ጠበቓ ጆኒ ዲፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ጉዳይ ጆኒ ዲፕን ናይ ቀደም ሰበይቱ ኣምበር ሀርድን ኣመልኪቱ ይካየድ ንዘሎ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሚልዮናት ሰባት ይከታተልዎ ኣለው።

ኣብ መንጐ እዚ ድራማ ግን ከይተሓስበ ኣቓልቦ ሚልዮናት ዝሰሓበት ካሚል ቫስከዝ ኰይና ኣላ። ካሚል ንጆኒ ዲፕ ወኪሎም ካብ ዝቐርቡ 9 ጠበቓታት ሓንቲ እያ።

ጓል 37 ዓመት ካሚል፡ ብእትኽተሎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ እያ ከይተፈለጣ ተዋሳኢት እቲ ምርኢት ኰይና ዘላ።

ብስማ እተሰለመ ካምቻታትን ንዓኣ ዝንእዱ ሃሽታጋትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይሰጋገሩ ኣለዉ።

ካሚል ንኽልተ ደቒቕ ዝኣክል፡ "ተቓውሞ" እናበለት ንጠበቓ ሚስ ሀርድ ተቓውሞኣ ከተስምዕን ብተደጋጋሚ ክትማጐቶን ተርእይ ኣብ ቲክቶክ ዝተዘርግሐት ቪድዮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ልዕሊ 27 ግዜ ሚልዮን ተራእያ እያ።

ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እታ ክሊፕ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ንኣዕሩኽቶምን ንስድራኦምን "ተቓውሞ" ዘርእዩላ ኰይና ኣላ።

ብሓፈሻ '#ካሚል ቫስከዝ' ብዝብል ዝተሰየሙ ቪድዮታት ቲክቶክ ብኣማኢት ሚልዮናት ግዜ ተራእዮም ኣለው።

ትዊት ካብ ዝተገብሩ ጽሑፋት ሓደ፡ "ኣድናቒ ጆኒ ዲፕ እየ። "ሕጂ ግን ሓያል ኣድናቒ ካሚል ቫስከዝ ኰይነ ኣለኹ" ይብል።

እሞ ደኣ እዛ ዓይኒ ተዓዘብቲ ቤት ፍርዲ ዝማረኸት ዓቃቢት ሕጊ መን እያ?

በላሕ ዓቃቢት ሕጊ

ካሚል ቫስከዝ ካብ ኮሎብያውያን ወለዲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ተወሊዳ።

ብ2006 ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዘርን ካሊፎርኒያ ብ2010 ድማ ካብ 'ሳውዘርን ሎው ስኩል' ተመሪቓ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ንጆኒ ዲፕ ክውክል ውዕል ዝኣተወ፡ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ትካል ሕጊ ብራውን ሩድኒክ ተሓባባሪት ኰይና ሰሪሓ እያ።

ብ2021 በስት ሎውየር ዝተባህለ መጽሔት ናብ 'ዝለዓለ ጽፍሒ ይመጽኡ' ካብ ዘለዉ ጠበቓታት ሓንቲ ክብል ሰምይዋ ነይሩ።

ከም ናይ ጆኒ ዲፕ ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት ጸለመ፡ ንተኸሰስቲ ኣብ ምውካል ፍሉይ ክእለት ኣለዋ።

ይዅን እምበር ካሚል ኣብቶም ሓደስቲ ደገፍታ ኣጸቢቓ ትፍለጥ በቲ ዘርኣየቶ ብዙሕ ተቓውሞታትን በቲ ምስ ሚስ ሃርድ ዝገበረቶ ውጥረት ዝመልኦ ዝርርብን እዩ።

ካሚል ቫስከዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብነት ድያ ወይስ ኣይኰነትን?

ካሚል ንጆኒ ዲፕ ዘካየደቶ ሓያል ጥብቅና፡ #ኣነ'ውን ናይ ዝብል ኣንጻር ጾታዊ ማህሰይቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣቓልቦ ክትስሕብን ኣርእስቲ ምይይጥ ክትከውንን ኣኽኢልዋ እዩ።

ብኣንጻሩ፡ ነቲ ኣምበር ሀርድ ዘቕረበቶ ክሲ ከም ዘይኣመነት ወይ ነቲ ማህሰይታ ከም ሓሶት ገይራ ከም ዝረኣየቶን ተባሂላ ትውቀስ እያ።

ሓደ ኣብ ትዊተር ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ "ካሚል ቫስከዝ ንበይና ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት፡ ንኣንስትነት [ፈሚኒዝም] ን50 ንድሕሪት ስለ ዝመለሰት ኣእውዩ ፡" ይብል። "ታሪኽ ብጽቡቕ ኣይዝክረክን እዩ።"

ብኻልእ ሸነኽ ግን ደገፍታ ንመሰላት እቶም ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ትጣበቕ ኣብነታዊት ጠበቓ ከም ዝዀነት ይማጐቱላ ኣለዉ።

ይዅን እምበር ካሚል ኣብ መንጐ ደገፍቲ ጆኒ ዲፕ ዘለዋ ህቡብነት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ዘምጽኦ ውጽኢት ብሕጂ ዝርአ እዩ።

ጠበቓ መከላኸሊን ዳኛ ነበርን ሓሊም ዳኒዲና ንጋዜጣ ዳይሊ ቢስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ህዝባዊ ግብረ-መልሲን፡ ምስቲ ውልቀ 'ነባሮ ቤት ፍርዲ' [Jurors] ዝውህብዎ ውሳነ ሓደ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ኢሉ።

ሚስተር ዳኒዲና ወሲኺ፡ ህቡብነት ቫስከዝ፡ እቲ ፍርዲ ንኣምበር ሀርድ ተሪር ዓውደ ቕልስ ክኸውን ምዃኑ ዘመልክት'ዩ ኢሉ።

ህዝቢ ከምዘይፈተዋ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንጠበቓ ጆኒ ዲፕ ብዝያዳ እናፈተዋ ከምዘሎን እዚ ድማ ንኣምበር ሀርድ ከጨንቓ ከም ዝኽእል ይገልጽ።