ኵናት ዩክረይን: ሩስያ ንዩክሬናዊት ከተማ ማርዩፖል ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸረት ገሊጻ

ወተሃደር ኣዞቭስታል

ምንጪ ስእሊ, ALEXANDER ERMOCHENKO

Published

ሩስያ ንዩክሬናዊት ወደባዊት ከተማ ማርዩፖል ንምቁጽጻር ንኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየደቶ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሓዘታ ኣፍሊጣ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ዓሪዶም ዝጸንሑ ወተሃደራት ዩክረይን ኢዶም ከምዝሃቡ ሰብ መዚ ሞስኮ ሓቢሮም።

እቶም ወተሃደራት ንኣዋርሕ ዝኣክል ነቲ ንከተማ ማርዩፖል ንምቁጽጻር ዝግስግስ ሓይሊ ሩስያ ደው ኣቢሎምዎ ጸኒሖም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 531 ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ስፍራ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ሕጂ እታ ከተማን እቲ ፋብሪካ ሓጺንን “ምሉእ ብምሉእ ሓራ ወጺኡ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ “እቶም ወተሃደራት ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ናይ ትሕቲ ባይታ መዕቆቢታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሓይልታት ሩስያ ኣትዩ ኣሎ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ እቶም ነቲ ቦታ ክከላኸሉ ዝጸንሑ ወተሃደራት ክወጽኡ ፍቓድ ተዋሂብዎም እዩ ኢሉ።

ንሱ ብዓርቢ ንቴለቪዥን ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ቃል “ሎሚ እቶም ኣወዳት ክወጽኡን ህይወቶም ከድሕኑን ካብ ወተሃደራዊ እዚ ንጹር መልእኽቲ ተቐቢሎም ኣለው” ኢሉ።

ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ንሰሙናት ኣብ ምሉእ ከበባ እዩ ጸኒሑ።

ሓይልታት ሩስያ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ብምኽልካል ካብ ኣየር ደብዳብ ከካይዱ ድሕሪ ብምጽንሖም እቶም ዩክሬናውያን ብረቶም ከውርዱ ተገዲዶም።

ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብ ውሽጢ ተዓጊቶም ዝነበሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቆልዑን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ሲቪላውያን እዮም ነይሮም።

ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ወርሒ ብሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ዝተገብረ ስርሒት ብምልኦም ወጺኦም እዮም።

እቶም ወተሃደራት ግና ኢዶም ክህቡ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም ሩስያ ነታ ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምቁጽጻር ከልኪልዋ እዩ ጸኒሑ።

ኣብያ ናይቶም ወተሃደራት፡ ብብዙሓት ዩክሬናውያን ከም መርኣያ ተቓውሞ ዩክረይን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።