እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ‘ቅዋማዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ’ ብዝብል ተጠርጢሩ ከምዝተትሓዘ ጠበቕኡ ገሊጹ
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰወረ ዝተነግረሉ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲኑ ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ጠበቕኡ ኣቶ ጋሻው ኣለበል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ናብ ባህርዳር ከምዝተወሰደ ዝተገለጸ እቲ ጀነራል፡ ትማሊ ዓርቢ 12 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ከምዝቐረበ ጠበቕኡ ሓቢሩ።
ኣብ ታሽዓይ መደበር ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ንመዓልትታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ እቲ ጀነራል፡ ትማሊ ቃሉ ከምዝሃበ ተፈሊጡ።
ብዘይክኡ ካልኦት ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት እንተለው ንኣቶ ጋሻው ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ እቲ ጀነራል እኳ እንተኾነ ዝተጠርጠሩ ሰባት ከምዘለውን ኣብ መስርሕ ምህላው ከምዝሰምዐን ገሊጹ።
ጀነራል ተፈራ ኣብቲ ናይ ትማሊ መጋባእያ፡ ብ8 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ብዛዕባ ዝኣተወሉ ኩነታትን ኣብ ልዕለይ ተፈጺሙ ዝበሎን ማህረምቲ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ንሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ እቲ ጀነራል፡ ምስ መሓዝኡ ድሕሪ ዝነበሮ ቆጸራ ከባቢ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ መኪንኡ እናዘወረ ኣብ ከባቢ ዮሴፍ ቤተክርስትያን ኣብ ማእከል ጎደና ብቅድሚኡን ብድሕሪኡን መካይን ደው ብምባል ከምዘይንቀሳቐስ ከምዝገበርዎ ተዛሪቡ።
“ከይተጋጨወ እንከሎ፡ መኪና ሃሪምካልና ብዝብል ደው ከምዘበልዎን፡ ብድሕሪኡ ዓፊኖም ብሓይሊ ናብ ካልእ መኪና ከምዘእተውዎ፡ ብጉስጢት ከምዝሃረምዎ” ምዝራቡ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።
ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ብረት ዝሓዙን ናይ ሲቪል ክዳውንቲ ዝለበሱ ናይ ጸጥታ ኣባላት ክኾኑ እንከለው ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ምንባሩ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ጠበቓ ወሲኹ እቲ ጀነራል ኩነታት ጥዕንኡ ሕጂ ደሓን ከምዘሎን ክሳዕ ሓሙስ ግና ኣብ ግንባሩ ሕበጥ ከምዝነበሮን ኣረዲኡ።
እቲ ጀነራል ፈለማ መንነት እቶም ሰባት ንምፍላጥ ተጸጊሙ እኳ እንተነበረ፡ ደሓር ናብ ጸልማት ቦታ ወሲዶም ኣብ ትሕቲ ባይታ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ምስ ኣሰርዎን ሒዝዎ ንዝነበሩ ቴለፎናት፡ ናብ ባንክ ሕሳብን መኪናን ወሲዶም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ብሄሊኮፕተር ናብ ባህርዳር ምስኣምጽእዎ ኣባላት ጸጥታ ምዃኖም ከምዘረጋገጸ ተዛሪቡ።
ንምንታይ ናብ ባህርዳር ተወሲዱ? ክልል ኣምሓራ ድዩ ደልይዎ? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ እቲ ጠበቓ፡ እቲ ክልል ንጀነራል ተፈራ ይድለዮ ኣይድለዮ ከምዘይፈለጠን ካብቲ መርማሪ ከምዝሰምዖ ግና እቲ መርመራ ብምትሕብባር ፖሊስ ፌደራልን ክልልን ከምዝተጀመረ ጠቒሱ።
እቲ ጀነራል ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ኔርዎ ድዩ ንዝብል ሕቶ ከኣ፡ “ንሱ ፈጺመዮ ኢሉ ዝጥርጥሮ ገበን ስለዘየሎ ከምዚ ዓይነት ነገር ክፍጸም እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣይነበሮን” ክብል ጠብቕኡ መሊሱልና።
ኣብቲ ናይ ትማሊ መጋባእያ፡ ፖሊስ ምርመራ ከምዘይጀመረ ብምጥቃስ ቃል ተጠርጣሪ ከምዝተቐበለ ገሊጹ ጊዜ ቆጸራ ክፍቐደሉ እዩ ሓቲቱ።
ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ብወገኑ፡ “ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ተጠርጣሪ ዝገብረኒ ምኽንያት የሎን፡ እንተኾነ ካብ ተጠርጠርኩ፡ እቲ መርትዖታት ንምእካብ ቆጸራ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኮነን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ንሕክምና ናብ ወጻኢ ንዝገብሮ ጉዕዞ እየ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺአ። እዚ’ውን ኣብ ግምት ይእቶ” ዝብል ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ ን 22 ግንቦት መርመራኡ ኣጻፊፉ ክቐርብ ቆጸራ ሂቡ ኣሎ።
በዓልቲ ቤት እቲ ብርጋዴር ጀነራል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ተፈራ ካብ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ኣብ እግሩ ንዘሎ ጠያይቲ ብዝምልከት ሕክምናዊ ክትትል ንምግባር ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዓመታት ላዕለዋይ መኮንን ኮይኑ ዘገልገለ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት መፈንቅለ መንግስቲ ንምክያድ ተሊምካ ብዝብል ምስ ካልኦት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተኸሲሱ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ዝተፈላለየ መዝነት ከገልግል ጸኒሑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝደፍኡሉ እዋን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እዩ ካብቲ ሓላፍነት ተላዒሉ።