ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት ኣሜሪካ ብሓጐስ ተቐቢልዎ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መበል 10ይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመርጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ነቲ ድሕሪ ምምራጹ ብቕጽበት ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት፡ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ብሰንበት 15 ግንቦት 2022፡ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ ምርጫ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ብምርካብ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣሜሪካ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣ'ሸባብ ንምውቃዕ ዒላማ ንዝገበረ ስርሒታት ንምድጋፍ፡ 600 ዝኣኽሉ ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።

ሶማልያ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብሰንኪ ምንዋሕ ቅልውላው መስርሕ ምርጫ፡ ብመጥቃዕትታት ኣልሸባብ ተዋጢራ ከም ዘላ ይንገር።

ምርጫ ፕረዚደንት ሸኽ ማሕሙድ፡ ነቲ ነዊሕ ዝተጓተተ ፕረዚደንታዊ ምርጫን ብሰንኩ ዝሰዓበ ቅልውላው ምስግጋር ስልጣንን መኸተምታ ገይሩሉ'ሎ።

"ንርግኣትን ኣንጻር ግብረሽበራ ኣብ እንካይዶ ቃልሲን፡ ኣሜሪካ፡ ናይ ወትሩ እምንቲ መሻርኽትና እያ፡" ብምባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ለጢፉ'ሎ።

ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ነቶም ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ [SNA] ስልጠና ኣብ ምሃብን፡ ኣንጻር ኣ'ሸባብ ፍሉይ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣብ ምክያድን ዝሕግዙ ዝነበሩ 700 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶማል ከም ዝሰሓበ ይፍለጥ።

ደጋፊ መንግስቲ ኣብ ዝዀነ 'ፑንትላንድ ፖስት' ዝተዘርግሐ ዓንቀጽ ርእይቶ፡ ውሳነ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ፎርማጆ ዝተገብረ ጸጥታዊ ጽገናታት ዘዳኸመ እዩ ኢሉ።

ኣ'ሸባብ ነዚ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ፡ ዛጊት ዝዀነ ግብረመልሲ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ነዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ "ኵርኵር" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።