ኲናት ዩክረይን፡ ትካል ስለያ ኣመሪካ ፑቲን ንዝነውሐ ኲናት ይዳሎ ኣሎ ኢሉ

ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ስለያ ኣመሪካ፡ ፕሬዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዝነውሐ ኲናት ይዳሎ ከምዘሎን፡ ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን እንተተዓወተት'ውን እቲ ግጭት ደው ከምዘይብል ኣጠንቂቑ።

እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ ሩስያ ንምብራቕ ዩክረይን ንምቁጽጻር ከቢድ ኲናት ተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ።

ሞስኮ፡ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን - ኪቭ ንምቁጽጻር ትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ጸቕጢ ክትዕወተሉ ብዘይምኽኣላ፡ ሰራዊታ ዞባ ዶንባስ ንክቆጻጸሩ ትኹረት ገይራ እያ።

እንተኾነ ግና፡ ሓይልታታ ብዙሕ ክግስግሱ ከምዘይከኣሉ ትካል ስለያ ኣመሪካ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ኣቭሪል ሃነስ ንኮሚቴ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ፑቲን "ኪንዮ ዶንባስ ዝሓዞ ሸቶ ንምዕዋት" ድልየታት ከምዘለዎ እንተኾነ "ኣብ ሞንጎ ባህጉን ህልዊ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያን ዘይምምጥጣን" ኣሎ ክብል ተዛሪባ።

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንዩክሬን ዝገብሩዎ ድጋፍ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋታት፡ ሕጽረት መግብን ወሰኽ ዋጋ ጸዓትን ክደክም ይኽእል'ዩ ዝብል ትጽቢት ክህለዎ ከም ዝኽእል'ውን ገሊጻ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኲናት ብዝቐጸለ ቑጽሪ ፑቲን "ዝያዳ ዝበርትዐ መገድታት" ከምጽእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ናይ ህላወ ስግኣት" እንተመጺኡ ኣጽዋር ኒኩሌር ክጥቀም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

ዳይሬክተር ስለያ ሰራዊት ስኮት ቤሪር ብወገኑ፡ ሰራዊት ሩስያን ዩክረይንን "ዳርጋ ኣብ ማዕረ" ኩነታት'ዮም ዝርከቡ ክብል ነቲ ኮሚቴ ገሊጹ።

ኣብቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዩክረይን ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዞባ ሃርኪቭ ኣርባዕተ ጥሻታት ከም ዝተቖጻጸረት ሓይልታት ኣጽዋር ዩክረይን ገሊጾም ነይሮም።

ሃርኪቭ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ብደብዳብ ሩስያ ዝተሃሰየት ከተማ ኮይና፡ ዩክሬናውያን ቀስ ብቐስ ንሩስያ ደፊኦም ኣውጺኦምዋ'ዮም ክብል ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ተዛሪቡ።

ኣቭሪል ሃነስን ስኮት ቤሪርን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣቭሪል ሃነስን ስኮት ቤሪርን

ኣብ ካልኦት ከባቢት ምብራቕ ዩክሬን ዘሎ ኩነታት፥

  • ኣብ ከተማ ኣይዝዩም ኣብ ዝፈራረሱ ህንጻታት 44 ኣስክሬን ስቪላውያን ተረኺቡ
  • ነበርቲ ኣብ ትሕተ ባይታ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ተሓቢኦም ኣብ ዝነበርሉ ሩስያ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ እቲ ህንጻ ዓንዩ'ዩ፤ ሰራሕተኛታት ኣድሕን ህይወት ናብቲ ህንጻ ክበጽሑ ጥራይ'ዮም ክኢሎም
  • ካብ ሃርኪቭ ንሸነኽ ደቡብ ምብራቕ እትርከብ፡ ብኣግራብን ሩባታትን ዝተኸበበት ከተማ ኣይዝዩም ናብ ዶንባስ እተእቱ እያ
  • ብሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝተኸበበ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ኣማኢት ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ ኣብ ውሽጢ ገለርያታትን ንመከላኸሊ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሰርሐ ዕርድን ተሓቢኦም ተኸቢቦም ኣብ ዘለውሉ ግዜ ማሪዩፑል ንምሓዝ ዝግበር ውግእ ቐጺሉ ኣሎ
  • ሞስኮ፡ ንማሪዩፑል ምቁጽጻር ዝዓበየ ወደብ ዩክረይን ንምቁጽጻርን ንመላእ እቲ ዞባ ብቐሊሉ ንምሓዝን ዘኽእላ ስለ ዝኾነ እታ ከተማ ምሓዝ ኣገዳሲ ዕላማ ገይራ ሒዛቶ ኣላ
  • ኣብ ወደብ ኦዴሳ ድማ መጥቃዕቲ ሚሳይል ተፈጺሙ፤ በዚ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሓሙሽተ ከም ዝቘሰሉ ሃይልታት ዩክረይን ገሊጾም
line