እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኬንያ፡ ፕሬዝደንት ኬንያታ ምኽትሉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ
ፕሬዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ንክካየድ ምድላው ይግበር እኳ እንተ'ሎ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ወጥሪ ግን እናዓረገ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ፕሬዝደንት ኬንያታ: ምኽትሉ ሩቶ ነቲ እታ ሃገር ትፍተነሉ ዘላ ቁጠባዊ ጸገማት ንምፍታሕ እኹል ጻዕሪ ኣይገበረን ኢሉ ክኸሶ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ኮይንካ መንግስቲ ክትነቅፍ ድማ ኣይክኣልን ኢሉ።
እንተኾነ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካቢነ እታ ሃገር ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከምዘይተኣከበ ክገልጽ እንከሎ፤ እቲ ፕረዚደንት ብሓንቲ ናይ ቴለፎን ደወል ክጽውዖ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ፕሬዝደንት ኡሁሩ ንምኽትሉ ክሰጉግ ስልጣን የብሉን።
ስለ ዝኾነ ድማ ሩቶ ካብ ስልጣን ክእለ ዝኽእል ክሲ እንተቐሪቡዎ ወይ'ውን ስርሑ ንምውጋን እኹል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እንተተኣሚኑ ጥራይ እዩ።
ፕሬዝደንት እታ ሃገር ነበር ምዋይ ኪባኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝሞተ ዝዝከር ኮይኑ: ብዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኪባኪ ፕሬዝደንት ኡሁሩን ምኽትሉ ሩቶን ናይ ኢድ ሰላምታ ንክለዋወጡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሰብ መዚ ዝርኣይ ዘሎ ምስሕሓብ ብምኽንያት እቲ ሃገራዊ መረጻ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ሩቶ ኣብቲ መረጻ ንፕሬዝደንትነት ዝወዳደር ኮይኑ፡ ፕሬዝደንት ኬንያታ ድማ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ'ዩ ዝድግፍ ዘሎ።
ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዘጋጠማ ኮይኑ ብፍላይ ዋጋጋት ዘይቲ ብልዕን ነዳድን ወሲኹ ተራእዩ ኣሎ። ቁጠባዊ ጉዳይ እታ ሃገር ድማ ኣብዚ መረጻ ኣዝዩ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።