ሱዳን፡ ስለምንታይ እዮም ጃንጃዊድ ኣብ ዳርፉር ዳግማይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም?

Published

ቅድሚ ገለ መዓልታት ብፈረስ ብዝጋልቡ ጃንጂውድ ሚሊሻታት ዓረብ፡ ከተመኦም ዝተባርዐቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ናብ እትርከብ ዓባይ ከተማ ምስ ኣተው ከቢድ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎም።

ኮሚተ ሓካይም ሱዳን "ኣብ ታሪኽ ጂኒና ንፈለማ እዋን ኵለን ትካላት ጥዕና ተዓጽየን ኣለዋ።

ኩሉ ሕክምናታት ከኣ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ'ሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እቲ ብ2003 ዝጀመረ ግጭት ዳርፉር ኣብቲ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ዝሞቱሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ብዘይ መንበሪ ዝተረፉሉን እዋን ኣብያተ ሕክምና ስርሑ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ.

ሕጂ ግን ኩሉ ኣገልግሎት ጥዕና ደው ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ጂኒና ዝነብር ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ውሑስ ገዛ ከም ዘለው ኣብ መላእ እታ ከተማ ግን ተዅሲ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ዝተኸስተ ህይወት 200 ሰባት ዝቐዘፈ ግጭት ካብ ጄኔና 80 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ክሪኒክ እዩ ጀሚሩ።

ኣብ ደቡብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ደምበታት ዝነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ስድራቤታት ከኣ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ሃደን ጃንጃዊድ ፈሪሖም መንበሪኦም ገዲፎም ይሃድሙ ኣለው።

እቲ ግጭት ብኸመይ እዩ ተበጊሱ?

እቲ ብመሬት ዘጋጠመ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ኣብ መንጎ እቶም ሰበኽ ሳግም ኣዕራብን ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳሊትን ውግእ ኣላዒሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብታ ብጃንጃዊድ ዓረብ ዝተፈናቐሉ ጸሊም ሕብረተሰብ ዝነብረላ ከተማ ክሬኒክ ክልተ ሰበኽ ሳግም ዓረብ ምስተቐትሉ እዪ እቲ ግጭት ተጓሃሂሩ።

ዓርቢ ንግሆ ጃንጃዊድ ዕጡቓት፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ክሬኒክ ዝተቐትሉ ክልተ ዓረብ ሰበኽ ሳግም ዓሌቱ ሕነ ንምፍዳይ፡ ንክሬኒክ ብምጥቃዕ ትሽዓተ ሰባት ቀቲሎም 16 ድማ ቈሲሎም ።

ብሰንበት ድማ፡ ኣቐዲሙ ካብ ጃንጃዊድ ዝተወልደ ናይ ሱዳን ፈጥኖ ኣብቲ መጥቃዕቲ ስለ ዝተሳተፈ እቲ መጥቃዕቲ ተጋዲዱ።

እቶም ዕጡቓት 4x4 ብዝዓይነተን ተሽከርከርቲ፡ ሰብ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣግማልን ኣፍራስን ዝጋልቡ ሰባት ብብረት መጥቃዕቲ ከም ዘውረዱ ናይ ክሬኒክ ማሕበር ወለንተኛታት መንእሰያት ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተዘርገሐ ገና ብነጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብዙሓት ኣዕራብ ተዋጋእቲ፡ ኣብ ፒክ ኣፕ መካይንን ሞተር ብሽክለታን ኰይኖም መጥቃዕቲ ክፍንዉ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብቲ ቪድዮ ከኣ ኣባላት ፈጥኖ ደራሽ RSF ብድኻም ተጠቒዖም ከም ዝነበሩ የርኢ።

እቶም ዕጡቓት ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካትን እውን ከም ዘይነሓፋ ፡ ሽዱሽተ መምህራን ድማ በቲ ወራር ከም እተቐትሉ ምንጭታት እታ ሃገር ሓቢሮም ።

"ክልተ ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ናይ ሆስፒታል ፋርማሲ እውን ተዘሪፉ እዩ" ክብል ኤም ኤስ ኤፍ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ።

ስለምንታይ እዮም ሓይልታት ጸጥታ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ዘየበልዎ?

ዓቀብቲ ሰላም ው.ሕ.ሃ. ንሓያሎ ዓመታት ሰላም ከስፍኑ እኳ እንተ ጸዓሩ ናይ ስራሕ ዕድመኦም ኣብ መወዳእታ 2020 ምስ ኣብቀዐ፡ ኣብቲ ከባቢ ምምቕቓል ስለ ዝነበረ ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ቦታ ኣብ እተዋፈርሉ እዋን እውን እንተዀነ ግን ከምዚ ናይ ሕጂ ዝኣመሰለ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን ነይሮም ።

እቲ ኣብ ዳርፉር ሰላምን ምርግጋእን ከሰፍን ዝተዋፈረ ሓይሊ ብፖሊስ፣ ሰራዊት፣ ፈጥኖ ደራሽ (RSF)ን በቶም ኣብ 2020 ሰላም ዝፈረሙ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታትን ዝቘመ ሓባራዊ ሓይሊ እዩ ነይሩ ።

ይኹን እምበር ኵሎም ነንሓድሕዶም ክወዳደሩ ይደልዩ ስለዝነበሩ ከም ሓደ ግንባር ኮይኖም ክሰርሑ ኣይከኣሉን።

ንኣብነት እቲ ሓይሊ ፖሊስ ብዙሓት ተወለድቲ ዓረብ ዘይኮኑ ካብ ሕብረተሰብ ማሳሊት ኣባላት ኣለውዎ።

እቲ ፈጥኖ ደራሽ ዝበሃል ሓይሊ ግን ብዙሓት ናይ ቀደም ኣባላት ጃንጃዊድ ኣለውዎ።

ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋን ውግእ ከሳተፉ እንከለው ዝተታሕዙ ኣለው።

እቲ ንክሬኒክ ንኽከላኸል ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኣሃዱ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ምግጣሙ ካብ ቦታኡ ከም ዘልገሰ፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ገሊጾም ።

እቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ እዩ ናብ ጂኒና ተዘርጊሑ?

ጃንጃወድን ናይ መንግስቲ ፈጥኖ ደራሽን ካብ ክሬኒክ ክሳብ ጂኒና ንዝነበሩ ተዋጋእቲ የጓይዩዎም ነይሮም።

ዓሌታዊ ውጥረት እናበርትዐ ምስ ከደ ድማ ምዕጻው ኣገልግሎት ሆስፒታል ምምዝባል ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣኸቲሉ።

ጂኒና ናይ ጸሊም ዓሌት ምልክትን ልምዳዊት ርእሲ ከተማ ናይ ምምሕዳር ማሳሊት እያ። ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ዳርፉር ብምጽናት ዓሌት ዝኽሰሱ ጃንጃዊድ ብንዕቀት እዮም ዝርእዩዋ።

ኣብ 2003 መብዛሕትኦም እቶም ኣዕራብ ዘይኰኑ ሰባት ብሰንኪ ኣድልዎን ጉድለት ምዕባለን ኣንጻር መንግስቲ ብረት ስለዘልዓሉ እዩ እቲ ናይ ዳርፉር ግጭት ተወሊዑ።

እቲ መንግስቲ ከኣ ሕነ ናይቶም ለውጢ ብምጥላብ ብረት ዘልዓሉ ተቓወምቲ ንጃንጃዊድ ብምዕጣቕ ስጉምቲ ወሲዱ።

እቲ ሽዑ ኣብ መላእ ዓለም ነውጺ ዝፈጠረ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ንምግታእ ዓለም ዓቀብቲ ሰላም ብምውፋር ነገበነኛታት ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ኣውጺኣ።

ጂኒና ካብ 2019 ኣትሒዛ ንሳልሳይ ግዜኣ እያ መጥቃዕቲ ዘጋጥማ ዘሎ።

ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንእተ ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ ብብርቱዕ ግጭት ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ቆሲሎም ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ጀበል ሙን ብሰሜን ጂኒና ሓያሎ ኣቝሻት ሓሪሮም።

ዳርፉር ብወርቂ ሃብታም ስለዝኾነ ወራር ጃንጃዊ ነቲ ጸጋታት ንምቁጽጻር እዩ ዝብል ክስታት እውን ኣሎ።

እቲ ካብ 2003 ኣትሒዙ ካብ መንበሪኦም ንዝሃደሙ ሰባት ዘዕቁብ ዘሎ መዓስከራት ዘመሓድር ኮሚተ ኣፈኛ ኣዳም ራጃል እቲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ነቲ ሰፈራታት ንምፍራስ ዝዓለመ ፈተነ ምዃኑ እውን ሓቢሩ ኣሎ ።

ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝበሃል ገበናት ኲናት ዝኽሰሱ ሰባት ብጽሕፍቶ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) መርመራ ክቐርብ እዩ ዝበሃል ጃንጃዊ መራሒኦም ከም ዝሻቐሉ እዩ ዝእምት ።

ዓሊ ኩሻይብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብዱራሕማን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ንዝብል ክስታት ነጺግዎ ኣሎ።

ንሱ እቲ ብ ICC ኣብ ልዕሊ ግጭት ዳርፉር ዝተኸሰ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። በሽር እውን ፈጺሙዎ ብዝበሃል ገበናት ውግእን ጃምላዊ ቅትለትን ክተሓዝ ብቤት ፍርዲ ይድለ እዩ።

ራጃል፡ "እቲ ዕላማ፡ ከተማታት ምምንዛዕን ነቲ መዓስከራት ምፍራስን እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ መዓስከራት ኢዴፓ ዝርአ ዘሎ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበናት ጃምላዊ ቅትለት ፡ ምጽናት ዓሌት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን እዩ" ኢሉ ።

ፈጥኖ ደራሽ Rsf ስለምንታይ እዩ ሓያል ኮይኑ?

ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚንኒ ሚንናዊ፡ መራሒ ደባይ ተዋጋኢ ዝነበረ ፡ እቶም ኣብ ካርቱም ዘለው ሰበ-ስልጣን ንRSF ክቆጻጸሩዎ እኹል ዓቕሚ የብሎምን ክብል ኸሲስዎም ኣሎ ።

እንተኾነ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብቲ መንግስቲ ብዙሕ ቦታ ሒዙ ኣሎ። መራሒኡ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን "ሄሜቲ" ዳጎሎ ድማ ምክትል መራሒ ሱዳን እዩ ።

እቲ ጫዳዊ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣብ ዳርፉር ዝዓበየ ሄሜቲ ንኣባልነት ፈጥኖ ደረሽ ካብ መላእ እታ ሃገር ብዝመጹ ተዋጋእቲ ኣስፊሕዎ እዩ ።

ነቲ ኣብ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ከኣ ፖለቲካዊ ድሌቱ ንምጉልባት ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይዛረቡ ።

ጃንጃዌድ ካብ ጫድን ካብ ካልኦት ሃገራት ሳሕልን ዝመጹ ኣዕራብ ዕጡቓት ከም ዝመልመለ ካብ ዝኽሰስ ነዊሕ እዋን ገይሩ እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዳርፉር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕሪ ንስድራቤቶም ከምጽእዎም ዘተባብዕ እዩ ።

ጀነራል ሄሜቲ ዳጎሎ ብዛዕባ እቲ ኽሲ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እተራእየ ጎንጺ ርእይቶ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ።

እንተኾነ ኣብቲ ዝሃቦ ህዝባዊ መግለጺ፡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዳርፉር ብሰላም ክነብሩ'ዩ ዝጽውዕ ።