ምቑላፍ መልሓስ ህጻናት ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?

መልሓሱ ዘውጽአ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ምቑላፍ መልሓስን ኣብ ህጻናት ዘለዎ ሳዕቤንን ኣመልኪቱ ግንዛበ ንምዕባይ ዝግበር ምንቅስቓስ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ዝስዕብ ትሕዝቶ ከመይ ከምእነስተብህሎን ከምእነስተኻኽሎን ዝምልከት እዩ፡፡

ኡርና ፓርማር ኣብ 2011 ዝተወለደ ወዳ ጃናቭ ክተጥቡ ተሃንጥያ እያ ዝነበረት፡፡ ኮይኑ ግና ክጠቧ እንከሎ ኣጥቧታ ኣዝዩ ከሕምማ ጀሚሩ፡፡ ጫፉ ክሓብጥ፣ ክንድርን ክደምን እውን ግዘ ኣይወሰደሉን፡፡

‘‘ዕረፍቲ ዘይህብ ቃንዛ ኮይኑ ረኺበዮ’’ እትብል ፓርማር፡ እቲ መሰረታዊ ነገር ንወዳ ክትገብረሉ ዘይምኽኣለሰ ከቢድ ጥፍኣት ከምዝፈጸመት ክስመዓ ከምዝገበረ ትዛረብ፡፡

ኣብ ከባቢኣ እትረኽቦም ሰባት ድማ ዓብዪ ጸገም ከምዘይኮነን ቦኳራት ምስ ምጥባው ዝተሓሓዝ ጸገም ከጋጥመን ንቡር ምዃኑን ይነግርዋ ነይሮም፡፡

ንወዳ ዝከታተል ሓኪም ዕሹግ ጸባ ክተጥቡዎ እኳ መኺርዋ እንተነበረ ንሳ ግን ቃንዛኣ ተጻዊራ ክንዲ ዝኸኣለቶ ምጥባው ቀጺላ፡፡

ምስ ግዜ ግን ዝኾነ ጸገም ከምዘሎ ፓርማር ተገንዚባ፡፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ ንምምጋብ ግዘ ሰለዝወስደሉ ምስ ካልኦት ቆልዑት ኣይጻወትን፡፡ ጃናቭ ንምምጋብ ክሳብ ክልተ ሰዓት ይወስደሉ ነይሩ፡፡

ኣብ መጀመርታ ኣመጋግብኡ ድኹም ስለዝኾነ ይመስላ ከምዝነበረ እትገልጽ ፓርማር ‘‘ኣካይድኡ እውን ቀስ ዝበለን ዘይረገአን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ብሽክለታ እውን ሚዛኑ ኣይሕልውን ነይሩ’’ ብምባል ትዝክር፡፡

ቶሎ ቶሎ ክበልዕ ክተደፋፍኦ እንተፈቲና እውን ዝገደደ ጭንቀት ይፈጥረሉ፡፡

ጸኒሑ ድማ ብኣገባብ ክሕይኽን ክውሕጥን ብዘይ ምኽኣሉ ኣሕምልቲ ክምገብ ተገዲዱ፡፡

ኣብ 2019 ጃናቭ ሸሞንተ ዓመት ምስገበረ ግና እቲ ምስጢር ተፈሊጡ፡፡ እቲ ዝነበሮ ከቢድ ናይ መልሓስ ምቑላፍ (ኣንኪሎግሎስያ ወይ ታንግ-ታይ) ብሕክምና ተፈሊጡ፡፡

እዚ መልሓስ ብግቡእ ከይንቀሳቐስ ዝቑልፍ መበቆላዊ (ጀነቲክ) ጸገም ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ቀልቢ ሰብ ሞያን ስድራቤታን ይረክብ ኣሎ፡፡

ንውላዳ እተብልዕ ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ምቑላፍ መልሓስ ኣብ ዝውለዱ ህጻናት፡ ታሕተዋይ ክፍሊ መልሓስ ምስ ኣፍ ዘራኽብ ቀጢን ጭዋዳ ብዘይተለመደ ኣገባብ ተሪር እዩ፡፡ እዚ ድማ መልሓስ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕናግ ዝዓርፍ ናብ ታሕተዋይ ክፋል ኣፍና ይጠብቕ፤ እዚ ህጻናት ብኣገባቡ ከይምገቡ ይዓግቶም፡፡

እቲ መበቆላዊ ከምዝኾነ ዝግለጽ ጸገም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝፍለጥኳ እንተኾነ ንምሕካሙ ግን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ 2020 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣመሪካ ትሕቲ ሓደ ዓመት ካብ ዝርከቡ ህጻናት እቶም 8 ሚኢታዊት በዚ ጸገም ይሳቐዩ፡፡

ኣብ ገለ ሃገራት ምቑላፍ መልሓስ ብ 10 ዕጽፊ ወሲኹ

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግንዛበ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ምቑላፍ መልሓስ ኣዝዩ እናዓበየ ከምዝመጸ ዝሕብሩ ሰብሞያ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ቁጽሪ ሕክምና ዝገብሩ ብ 10 ዕጽፊ ወሲኹ ይብሉ፡፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ምርመራን መጥባሕትን ምቑላፍ መልሓስ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ካልኦት ከይፈለጥዎ ከም ፓርማር ዝሳቐዩ ስድራቤታት ኣለዉ፡፡

ኣብ ከም ህንዲ ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንጥዕና ህጻናት ሓደገኛ ኣብ ዝኾኑ ሕማማትን ረኽስታትን ስለዝተኩሩ ምቑላፍ መልሓስ ከይተፈለጠ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ፡፡

ቅድሚ ዓመታት፡ ኬት ካናቫን ንኡሽቶ ጓላ ኣና ኣዘራርባኣ ንጹር ዘይምዃኑ ኣስተብሂላ፡፡ ኣና ኣብቲ እዋን ጓል 2 ዓመት ዝነበረት ኮይና ናይ ምጥባው ጸገም እውን ኣይነበራን፤ ሓኪም እውን ዘጨንቕ ከምዘይብሉ ነጊርዋ ነይሩ፡፡ ኣርባዕተ ዓመት ምስኮና ግና ሓደ ሓኪም ጸገም ከምዘለዋን ናብ ናይ ዘረባ ሓኪም ክትከይድን ኣዚዝዋ፡፡

እቲ ናይ ዘረባ ሓኪም ድማ ኣና ናይ ከንፈርን መልሓስን ናይ ምቑላፍ ጸገም ከምዘለዋን ብኣገባብ ከይትዛረብ ከምዝገበራን ብምግላጽ ንሳቶም እንድሕር ዘይተፈቲሖም እቲ ናይ ምዝራብ ሕክምና (ስፒች ቴራፒ) ውጽኢታዊ ከምዘይኸውን ከምዝሓበራን ትዛረብ፡፡

ቀንዲ ምልክታት ምቑላፍ መልሓስ

ፈላማይ ምልክት ምቑላፍ መልሓስ፡ ከምቲ ንፓርማርን ወዳን ዘጋጠመ ኣብ ምጣባው ዘጋጥም ጸገምን ቃንዛን እዩ፡፡

"ምቑራን መልሓስ ዘለዎም ህጻናት መልሓሶም ካብ ከንፈሮም ሓሊፋ ክዝርጋሕ ኣይኽእልን፡፡ እዚ ንምጥቧው ዘድልዩ ከም ጡብ ብኣፍ ምሓዝ፣ ምምጣጥን ምውሓጥን ዝበሉ መሰረታዊ ተግባራት ብኣገባቡ ከይፍጽሙ ይገብር’’ ትብል ዶ/ር ጁ-ሊ ኦይ፡፡

እቲ ህጻን ነቲ ዝተቖለፈ መልሓሱ ስሒቡ ክጠቡ እንትፍትን ድማ ነታ ኣዶ ኣዝዩ ከቐንዝዋ ይኽእል፡፡

ኣብ ከም ጓላ ንካናቫን ዝበሉ ድማ እቲ ጸገም ደንጉዩ ይረኣይ፡፡

ምቑላፍ መልሓስ ዘለዎም ብዙሓት ህጻናት ምልክታት ከምዘይረኣዩ ሰብ ሞያ ይገልጹ፡፡

ዝተቐየደ መልሓስ ምልላይ እውን ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብሰብ ሞያን ምርመራን ጥራሕ ክፍለጥ ዝኽእል ዓይነት ምቑላፍ መልሓስ ኣሎ፡፡

እዚ ጸገም ዘለዎም ህጻናት መሳርሕታት ትንፋስ ክጻወቱ፣ ከንፈሮም ወይ ኣይስ ክሬም ክልሕሱን ስኖም ብመልሓሶም ክጸርጉን ክጽገሙ ይኽእሉ፡፡

ዘይተስተኻኸለ ኣቀማምጣን በዋሕዲ ምንቅስቓስ ዝደኸመ መልሓስን እውን ክንዮ ኣፍ ዝኾነ ጸገም ክስዕብ ይኽእል፡፡

ምቑላፍ መልሓስ ዘለዎም ህጻናት ኣፎም ከፊቶም ስለዝድቅሱን ዝሕርንኹን ሰላማዊ ድቃስ ከምዘይህልዎም ንወዲ ፓርመር ዝሓከመት ኣንኪታ ሻህ ትገልጽ፡፡

ቀልጢፍካ ምዕራይ ይከኣልዶ?

ቅልል ዝበለ ጸገም ምቑላፍ መልሓስ ባዕሉ ክስተኻኸል ከምዝኽእል በዓል ሞያ መጥባሕቲ ሳዤና ይገልጽ፡፡

ህጸውንቲ ንምጥባው መልሓሶም ኣብ ዘንሳቕሱሉ እቲ መልሓስን ኣፍን ዘራኽብ ጭዋዳ ክዝርጋሕ ይኽእል፡፡

ኣብ ኣገባብ ምጥቧው ግቡእ ምኽሪ ምርካብ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓስ ዘሎ ኣካል (ፍረኑለም) ምድራዝን መልሓስ ብምንቅስቓስን ብቐሊል ክሕክሙ ከምዝኽሉ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ፡፡

እዚ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉን ምጥቧው ዘጸገም እንተኾይኑን ግና መጥባሕቲ ከምዘድልይ ገሊጹ፡፡

ኮይኑ ግና ከም ናይ ምጥቧው፣ ምምጋብ፣ ምትንፋስ፣ ምድቃስን ምዝራብን ዝኣመሰሉ ጸገማት ካልእ መበገሲ ክህልዎም ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ ሮያል ሆስፒታል ኣወስትራልያ በዓልቲ ሞያ ዝኾነት ጁ-ሊ ኦይ ብወገና ዋላ ቀሊል መጥባሕቲ ቃንዛን ካልኦት ሳዕቤናትን ክህልዎ ስለዝኽእል መጀመርታ በዓል ሞያ ምጥቧው ክርእዮ ከምዘለዎ ትሕብር፡፡

መጥባሕቲ ናይ መወዳእታ ፈውሲ ከምዘይኮነ ዝገልጹ ሰብሞያ፡ ስድራቤታት እዚ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ከም ‘ዮጋ’ ዝመስል ዝተፈለየ ምንቅስቓስ መልሓስ ክገብሩ ክሕግዝዎም ከምዝግባእ ይሕብሩ፡፡

እቲ እንሓልፎ ዝነበርና ጸገም ሽምዘለዎ ምዃኑ ምስፈለጥኩ ዕረፍቲ ረኺበ- ፑርና ፓርመር

እናዓበየ ዝመጸ ግንዛበን ግቡእ ምርመራን ናይ ብዙሓት ህይወት ዝቕይር እዩ፡፡

ጓላ ንኬት ካናቫን ዝኾነት ኣና፡ ድሕሪ 15 ደቒቓ ዝወሰደ መጥባሕቲ ብዘይ ዝኾነ ጸረ ቃንዛ፡ ብቐሊሉ ምብላዕን ምስታይን ጀሚራ፡፡ ብጽባሓይቱ እውን ናብ መውዐሊ ህጻናት ከይዳ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናይ ኣዘራርባ ክእለታ ብዘደንቕ ኩነታት ተመሓይሹ፡፡

ወዳ ንዓመታት ብምቑላፍ መልሓስ ዝተሳቐየ ፑርና ፓርመር እውን እቲ ጸገም ዝፍለጥን ዝተለመደን ከምዝኾነ ዶክተር ምስ ነገራ ንብዓታ ምቁጽጻር ስኢና፡፡

‘‘እቲ እንሓልፎ ዝነበርና ጸገም ሽምዘለዎ ምዃኑ ምስፈለጥኩ ዕረፍቲ ረኺበ’’ ትብል፡፡

መጥባሕቲ ከምዘድልዮ ንቤተሰባ ከተእምን ክልተ ዓመት ከምዝወሰሰላ እትገልጽ ፓርመር ክንድኡ ዝኣክል ምድካማ ዝግበኦ እዩ ትብል፡፡

ጃናቭ ድሕሪ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ለውጢ ከምዝረኸበ እውን ትዛረብ፡፡

ሎሚ ጃናቭ ዝተፈላለየ ምግቢታት ምምጋብ ዘሕጉሶ ኮይኑ ምግቡ ኣብ 20 ደቒቓ ምውዳእ ይኽእል እዩ፡፡ ብሽክለታ እውን ብግቡእ የሽከርክር፡፡

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ወጻኢ ንዝተወለዱ ህጻናት ብቋንቋ ኣደ እተዘናግዕ ቡቡ በለስ