ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብቕትለት ኬንያዊት ኣትለት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብቕትለት ኬንያዊት ኣትለት ዳማሪስ ሙቱዋ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
እቲ ፌደሬሽን ትማሊ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሞት እታ ጓል 28 ዓመት ኣትለት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራቤታ፡ ፈተውታን ኣድነቕታን 'ጽንዓት ይሃብኩም' ኢሉ።
እታ ኬንዊት ዝመበቆላ ናይ ባሕረይን ዜግነት ዘለዋ ኣትሌት፡ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ትርከበን ብዙሓት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣትለታት ንልምምድ ኣብ ዘዘውትርዋ ከተማ ኢተን እያ ተቐቲላ ተረኺባ።
ምስ'ቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ኣፍቃሪኣ ዝነበረ፡ እስክንድር ሃይለማርያም ዝተባሃለ ኢትዮጵያዊ ብፖሊስ ይድለይ እኳ እንተሎ እቲ ውልቀሰብ ዛጊት ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኢተን፡ ቶም ማኮሪ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣትለት ካብ ኬንያ ቅድሚ ምምላጡ፡ እታ ግዳይ ልምምድ ኣብ እትገብሉ ትካል ምስኣ ስልጠና ይወስድ ምንባሩ ገሊጹ።
"እቲ ጥርጡር፡ ምስኡ ልምምድ ናብ ዝገበር መሓዝኡ ደዊሉ ንኣፍቃሪቱ ከምዝቐተለን ኣስከሬና ኣብቲ ገዛ ከምዘሎን ተዛሪቡ እዩ" ክብል ንሮይተርስ ኣረዲኡ።
እቲ ኣስከሬና ዝተረኽበ ምፍርራስ ምስ ጀመረ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ናበይ ሃገር ከምዘምለጠ ኣይገለጸን።
ጓል 28 ዓመት ደማሪስ ማቱ ማቱዋ፡ ብኻራ ከም ዝተቐተለት ሰብ መዚ ፖሊስ ሓቢሮም።
ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ንሙትዋ "ጅግና ኣትለት" ክብል እዩ ገሊጽዋ።
ቅደሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ'ውን ኣግነስ ትሮፕ ዝተባህለት ውርይቲ ኬንያዊት ኣትሌት ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜን 329 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኢተን ከም ዝተቐተለት ዝዝከር እዩ።
ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኬንያ ትርከብ ከተማ ኢተን፡ ብዙሓት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ዝወዳደሩ ኣትሌታት ንልምምድ ዝጥቀሙላ ከተማ እያ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኢተን ዝተቐተለት ኬንያዊት ኣትሌት ኣግነስ ትሮፕ፡ ሞታ ንቡዙሓት ኬንያውያን ከሰንብድ እንከሎ፡ ብቅትለታ ዝተጠርጠረ ብዓል ቤታ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
