ካብ ነጋዳይ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን፡ ሻህባዝ ሸሪፍ መን’ዩ?

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን፡ ሻህባዝ ሸሪፍ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ሻህባዝ ሸሪፍ፡ መራሒ ምንቅስቓስ ተቓውሞ - ኣንጻር ኢምራን ካሃንን - ፕረዚደንት ሙስሊም ሊግን [ናዋዝ] ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፡ ሕጂ’ውን ፖለቲካዊ ታሪኽ ፓኪስታን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ይመስል ኣሎ።

ሻህባዝ ንእሽቶ ሓው ነቲ፡ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረን፡ ኣብ 2018 ካብ መንግስትነት ዝተኣልየን ናዋዝ ሸሪፍ እዩ።

ናዋዝ ሸሪፍ፡ ምስ ምጥፍፋእ ገንዘብ ብዝተኣሳሰር ብልሽውና ተኸሲሱ ካብ ዝዀነ መንግስታዊ ስራሕ ተኣጊዱ እዩ።

እዚ ንእሽቶ ሸሪፍ፡ ሓደ ካብቶም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ሕሱም ነቐፍቲ ‘ዚ ሕጂ ዝተሰናበተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት መራሒ ተቓውሞ ኣብ ሃገራዊ ባይታ ‘ታ ሃገር ዝጸንሐ እዩ።

ሻህባዝ፡ ብሕጽቦ-ገንዘብ [Money-laundering] ናይ 76 ሚልዮን ዶላር ተኸሲሱ፣ ብ ትካል ጸረ-ብልሽውና ፓኪስታን ኣብ መስከረም 2020 ተኣሲሩ ነይሩ።

ኣብዚ መዝገብ ክሲ ብዝተኻየደ መርመራ፡ ካብ 2008-2018 [ንዓሰርተ ዓመታት] ሕጽቦ እዚ ዝተጠቕሰ መጠን ገንዘብ ዝተኻየደሎም፡ 28 ናይ ሓሶት ሕሳባት ባንክ፡ ብስም ስድራቤት ሸሪፍ ተረኺቦም።

እዚ ወዲ 70 ዓመት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዋና ሚኒስተር [Chief Minister] ናይታ ብዝሒ ህዝቢን ፖለቲካዊ ጽልዋን ኣገዳስነትን ዘለዋ ኣውራጃ ፑንጃብ ኰይኑ፡ ን13 ዓመታት [ኣብ ሰለስተ እብረ] ዝመርሐ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ዝመጽእ ዘሎ ግን ንመጀመርያ ግዜኡ እዩ።

ንሱ፡ ብዘይካ’ዚ ብሕጽቦ-ገንዘብ ብኻልእ ምስ ኣታዊታቱ ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ተኸሲሱ፡ ብዋሕስ ተታሒዙ ዘሎ እዩ።

ከመይ ኢሉ ደኣ ስሙይ ክኸውንን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ፓኪስታን፡ ነቲ ጽንኩር ጕዕዞ - ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ክሳብ መንበር ቀዳማይ ሚኒስተርነት - ክዕወተሉ ዝኸለ?

ካብ ነጋዳይ ናብ ፖለቲከኛ

ሳልማን ቓኒ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ስድራቤት ሸሪፍን ዝመርሕዎ ሰልፊን ብቐጻልነት ዝጸሓፈ፣ ኣብ ላሆር ዝመደበሩ ፍሉጥ ጋዜጠኛ እዩ።

ንሱ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ሻህባዝ ኣብ 1985 ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ነጋዶ - ላሆር ኰነ። ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞን ሰልፊን ዓቢይ ሓው ድማ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ነይርዎ።

ሻህባዝ፡ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ዝወሰነ ኣብ 1988 ኰይኑ፡ ሽዑ ኣባል ባይቶ ፑንጃብ ኰይኑ ተመርጸ።

ኣብ 1993 ድማ ከም ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኣባል ባይቶ ኣውራጃ ፑንጃብን ዳግም ተመርጸ። ኣብቲ ዓመት ድማ፡ መራሒ ተቓወምቲ ኣብ ባይቶ ኣውራጃን ክኸውን ከኣለ።

ሰልፊ ሙስሊም ሊግ ፓኪስታን - ናዋዝ [PML-N] ኣብ ምርጫ 1997 ክዕወት እንከሎ፡ ሻህባዝ ዋና ሚኒስተር ፑንጃብ ኰይኑ ተመሪጹ።

ሙጂብ ኣ’ራሕማን ሻሚ፡ ንናይቲ እዋን ፖለቲካ ብዕቱብ ዝተኸታተለ ፍሉጥ ጋዜጠኛ እዩ።

ንሱ ምስ ቢቢሱ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ሻህባዝ ጻዕረኛን ነካስ ንዕላማኡን ምዃኑ ይምስክር። ንፉዕ ኣመሓዳርን ኣድማዕቲ ጕጀለታት ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ዕዉት ምንባሩ’ውን ይጠቅስ።

ኣብቲ ዝመርሖ ዝነበረ ኣውራጃ፡ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ኣንቂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ጀነራል ፐርቨዝ ሙሻራፍ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ 1999 ኵሉ ተቘጽዩ ተረፈ።

ድሕሪ’ቲ ብጀነራል ሙሻራፍ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ተኣስሩ። ብስርቅን ክድዓትን ከኣ ክልቲኦም ኣሕዋት ክሲ ተመስሪቱሎም ነበረ።

ስምምዕ ምስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊን ስደትን

ኣብ 2000፡ ስድራቤት ሸሪፍ ምስ ጀነራል ፐርቨዝ ሙሻራፍ ድሕር ዝገበርዎ ምርድዳእ፡ ነታ ሃገር ለቒቖም ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሰደዱ።

ሻሚ ከም ዝብሎ፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ድሌት ስለዘይነበሮም ንኸይወጽኡ ኣበርቲዖም ተኸራኸሩ።

ብጻዕሪ ኣመሓዳሪ ፑንጃብ ዝነበረ ቻዱሪ ሳርዋር፡ እዞም ኣሕዋት ካብ ስዑድያ ናብ ለንደን ገዓዙ።

ምምላስ ናብ ስልጣን

እንዳ ሸሪፍ፡ ድሕሪ ሸዓተ ዓመታት፡ ኣብ 2007፡ ናብ ዓዶም ምስ ኣተው፡ ኣብታ ሃገር - ፓኪስታን - ሓፈሻዊ ምርጫ ተኻየደ።

ኣብዚ ምርጫ፡ ሻህባዝ ብሰንኪ ዝነበሮ ክሲ “ኣብ ላሆር ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ቅትለት” ክሳተፍ ኣይከኣለን።

በዚ ጉዳይ ክከራኸር ኣብ 2004 ናብ ሃገሩ ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክምለስ ተገደደ። ቤት ፍርዲ ድማ ብኣካል ክቐርብ ስለዘይከኣለ ብምባል ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣሕለፈ።

ኣብ 2013 ዋና ሚኒስተር ኣውራጃ ፑንጃብ ክኸውን ተመርጸ። ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ድማ ‘ተሪር ኣመሓዳሪ’ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ይንገረሉ።

ትሕተ-ቕርጽን ምዕባለን

ሻህባዝ ሸሪፍ፡ ኣብ ጽላት ትምህርትን ጥዕናን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከፈጽም ዝኸኣለ ኣመሓዳሪ እዩ።

ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ካሃን ከይተረፈ ብኸቢድ ዝተነቕፈ ፕሮጀክት መጓዓዝያ ከተማ ላሆር ከይተርፈ ከዐውት ከም ዝኸኣለን፣ እቲ ፕሮጀክት’ውን ከም ናቱ ሓድጊ ከም ዝርአን ይንገር።

ፕሮጀክት መስመር ባቡር’ውን ብተቓወምቱ ብርቱዕ ዝተነቕፈሉ ካብ ዕውታት ሓድግታቱ እዩ።

ምጭባጥ መንበር-ስልጣን

ሻህባዝ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ዓቢይ ሓው፡ ወሳኒ ደጋፊ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ዝዀነ፡ ናዋዝ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ ንሱ ኸኣ ዋና ሚኒስተር ‘ታ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ፓኪስታን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዋ ኣውራጃ ፑንጃብ ክኸውን ክኢሉ እዩ።

ሻህባዝ ፍሉጥ መራሒ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ግርጭታት ከወግድን ብፍላይ ምስ ዝዀነ ወተሃደራዊ መኮንን ይዅን ትካላት ምክልኻል ብውህደት ክሰርሕ ዓቕሚ ዘለዎን ንፉዕ ኣመሓዳሪ ምዃኑ ግን፡ ሻሚ ይኣምን።

ኰይኑ ግን፡ ዘይከም ምምራሕ ሓደ ኣውራጃ፡ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ፓኪስታን ቀሊል ስለዘይኰነ፡ ሻህባዝ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበይቲ ብድሆታትን ፈተናታትን ከጋጥሞ ከም ዝኽእል፡ ጋዜጠኛ ሳልማን ቓኒ የመልክት።

“ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ፣ እንተዀነ ሻህባዝ ክሰግሮም ዓቕሚ ኣለዎ።”