ወተሃደራዊት ነፋሪት ፓኪስታን ብምውዳቓ 17 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ፓኪስታን ከተማ ራዋልፒንዲ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ተሓምሺሻ 17 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ በዓልመዚ ምክልኻል ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
በቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት በረራን ካልኦት 12 ሰባትን እንክሞቱ፡ 12 ሰባት ከም ዝተጎድኡ ድማ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ከም ዘየለ እውን ተገሊፁ።
እዛ ኣብ ልምምድ ከም ዝነበረት ዝተነገረላ ነፋሪት ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢ ብምሕምሻሻ፡ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ተቓፂሎም እዮም።
እታ ነፋሪት ናይ ወተሃደራዊ ኣቬየሽን ፓኪስታን ዋላ እኳ እንተኾነት፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ግን ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
እዚ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣውያትን ምእካብን ከም ዝነበረ ማዕኸል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ፀብፂቡ።
ጋዜጠኛ ኤ ኤፍ ፒ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ትኪን ስባር ናይታ ነፋሪትን፡ ኣብ ሓደ ናሕሲ መንበሪ ገዛ ከም ዝረኣየን ሓቢሩ።
"ካብ ድቃሰይ ድምፂ ምፍንጃር ምስ ሰማዕኹ እየ ነቒሐ" ዝብል ነባሪ እቲ ከባቢ መሓመድ ሳዲቕ፡ ኣብቲ እዋን ሰባት የእውዩ ከም ዝነበሩን፡ መጠን እቲ ባርዕ ልዑል ብምንባሩ ክንሕግዞም ኣይከኣልናን ኢሉ።
ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኢስላማባድ ትርከብ ከተማ ራዋልፒንዲ፡ ማእኸል ዋና ቤት-ፅሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር እያ።
ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ብውልቀ መገዲ ኣየር ትሰርሕ ነፋሪት ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ብምሕምሻሻ፡ 152 ተጓዓዝቲ ምሟቶም ይዝከር።
እዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ታሪኽ ፓኪስታን ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝጠፍአሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
