ሹመት ኣባላት ቦርድ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሕቶ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, HPR
ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ሕዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ቦርድ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ብዝምልከት ዝገበሮ ሹመት ሕቶ ኣልዒሉ።
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ሕዝቢ ትማሊ መጋቢት 29/2014 ዓ.ም. ናይ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን 9 ኣባላት ቦርድ ብድምፂ ብልጫ ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሹመት ካብዘፅደቐሎም ውልቀሰባት ሚኒስትር ዴኤታ ወፃኢ ጉዳያት አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፣ ሚኒስትር ቱሪዝም አምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ካብ ማእከል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ አምባሳደር ሀሰን አብዱልቃድርን ኣባል ቤት ምኽሪ አዲስ አበባ ዶ/ር አጋረደች ጀማነህ ን ይርከቡዎም።
ይኹን እምበር እቲ ቤት ምኽሪ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 1238/2013 ዝጥሕስ ሹመት እዩ ሂቡ ብዝብል ብርክት ዝበሉ ሰባት እናሞገቱ ይርከቡ።
ካብ መንጎ እቶም መካትዒ ነጥብታት ንኣባላት ፖለቲካ ፓርቲ ሹመት ምሃብን ውስንነት ተዋጽኦ ኣባላትን ዝብሉ ይርከቡ።
ኣዋጅ መራኸብቲ ብዙሃን ቁፀሪ 1238/2013 ከምዝገልፆ፡ ኣባላት ቦርድ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ካብ ዝምረፁሉ ረቛሒ ሓደ፡ እቲ ዝምረፅ ውልቀሰብ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ፓርቲ ኣባል ወይድማ ቁፃር ክኸውን የብሉን ዝብል ይርከቦ።
ይኹን እምበር ካብ መንጎ እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ኣባላት ቦርድ ኣባላት ብልፅግና ፓርቲ ይርከቡ።
ሕቶ ካብ ዘልዓሉ ነጥብታት እቲ ካልእ ውስንነት ተዋጽኦ ኣባላት ቦርድ ዝምልከት እዩ።
ብመሰረት ኣዋጅ ቁፀሪ 1238/2013 ዓንቀፅ 9.5 ካብ መንጎ እቶም ኣባላት ቦርድ እቶም ክልተ ካብ ሲቪል ማሕብረሰብ፣ ክልተ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን፣ ክልተ ምስመራኸብቲ ብዙሃን ረብሓን ኣግባብነትን ካብ ዘለዎም ትካላትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ከምኡ'ውን እቶም ሰለስተ ኣግባብነት ካብዘለዎም ናይ መንግስቲ ኣካለት ዝተዋፅኡ ክኾኑ ኣለዎም።
ኮይኑ ግና ካብቶም ሹመት ካብ ዝፀደቐሎም ትሸዓንተ ኣባላት ዋላ ሓደ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን ዝተወከለ የለን።
ካልእ መከራኸሪ ነጥቢ እቲ ከይዲ ምልመላ ሕፁያትን ምፅዳቕ ሹመትን ግልፂ ኣይነበረን ዝብል እዩ።
ኣዋጅ መራኸብቲ ብዙሃን ከምዝብሎ፡ ከይዲ ምልመላ ሕፁያትን ምፅዳቕ ሹመትን ንሕዝቢ ግልፂ ብዝኾነ መገዲ ክፍፀም ኣለዎ።
ዓንቀጽ 9.2 ሕዝቢ ሕፁያት ክስይምን ርእይቶ ክህበሎምን ከምዝግባእ ይሕብር። ብተወሳኺ እውን እቲ ከይዲ መራኸብቲ ብዙሃን ክቐርብን ሕዝቢ ኣቐዲሙ ክፈልጦን ይግባእ።
ካብ'ዞም ነጥብታት ብምብጋስ ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት ኣብቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት እናልዓሉ ይርከቡ።
ሓላፍነት ኣባላት ቦርድ እንታይ እዩ?
እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይቲ ቦርድ ኣፈፃፅማ ስራሕ ናይቲ ብዓል መዚ ምቁፅፃር እዩ።
ትልሚ ስራሕ፣ በጀትን ምንቅስቓሳትን ይግምግም፤ ምሕደራን ቁፃርን ሰራሕተኛታት ዝምልከት መምርሒ የውፅእ ከምኡ ድማ ናብ መንግስቲ ኣቐሪቡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ብዓል መዚ የፅድቕ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
