ፕረስ: ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሑ

ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ

ምንጪ ስእሊ, Terara Network ተራራኔትዎርክ

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ
Published

መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ተራራ ኔት ወርክ ታምራት ነገራ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሎሚ 28 መጋቢት 2014 ዓ/ም ብናይ 50 ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ተገሊጹ፡፡

እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ ብዋሕስ ክፍታሕ ምስወሰነ እዩ ሎሚ ድሕሪ ናይ 118 መዓልቲታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ዘሎ፡፡

እቲ ቤት ፍርዲ ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ሕቶ መሰል ዋሕስ እቲ ጋዜጠኛ እናመርመረ ከምዝጸንሐ ተራራ ኔትወርክ ኣብ ማሕራዊ ገጹ ኣፍሊጡ፡፡

ጋዜጠኛ ታምራት ክሳብ ሕዚ ክሲ ዘይተመስረቶ ኮይኑ፡ 1 መጋቢት 2014 ዓ/ም ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ገላን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዓቃቢ ሕጊ ኣብ 15 መዓልቲ ክሲ ክምስርት ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነይሩ፡፡

ጠበቓ ተኣምራት ብወገኑ 2 መጋቢት ብዋሕስ ክፍታሕ ናይ ዋሕስ መዝገብ ዝኸፈተ ኮይኑ፡ ድሕሪ ክልተ ቆጸሮታት ትማሊ እቲ ጋዜጠኛ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ፡፡

ቅድም ክብል ንጋዜጣ ኣዲስ ነገር ዝሰርሕ ዝነበረን ካብ ስደት ተመሊሱ ኣብ ዘጣየሾ ተራራ ኔትወርክ ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መደብ ክሰርሕ ዝጸንሐን ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ: ብ1 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ካብ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ ተኣሲሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ናብ ጣብያ ፖሊስ ‘ሶስተኛ’ ንሕቶ ትድለ ኢኻ ተባሂሉ ዝተወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ ጣብያ ፖሊስ ገላንን ዳለቲን ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲሩ፡፡

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ፍልጥቲ ኣብ ዝነበረት ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ፖለቲካዊ ትንታነታት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ጋዜጠኛ ታምራት ፡ እታ ጋዜጣ ብመንግስታዊ ጸቕጢ ምስተዓጸወት ንሱን ዝበዝሑ መሳርሕቱን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም፡፡

ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ናይ ዓመታት ጻንሒት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ተራራ ኔትወርክ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምጅማር ዝተፈላለዩ መደባት እናቕረበ እውን ጸኒሑ፡፡