ተሳኢኑ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ክብሮም ወርቁ ኣብ ቀጽሪ ኣባ ሳሙኤል ተኣሲሩ ከምዝነበረ ገሊጹ

ክብሮም ወርቁ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia insider

Published

ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣበይ ከምዝኣተወ ከይተፈለጠ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ክብሮም ወርቁ፡ ሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 18 ጥሪ 2014 ዓ/ም ተኣሲርሉ ካብ ዝጸንሐ ኣባ ሳሙኤል ዝተባህለ ቀጽሪ ከምዝተፈተሐ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ካብ 16 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኣብ ኣሃዱ ራድዮ ናይ ዜና ኣዳላዊ ጋዜጠኛ ክብሮም፡ ካብ 9 ሕዳር ጀሚሩ ቤተሰቡን ፖሊስን ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን ክብሉ ጸኒሖም፡፡

ንሱ ‘‘ህውከትን ዕግርግርን ብምልዕዓል ’’ ተኸሲሱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ፡፡

ክብሮም ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወት ዝገልጽ ዜና ምስ ኣቕረበ እዩ ተኣሲሩ፡፡

‘‘ቤት ፍርዲ ብናጻ ምስ ኣሰናበተኒ ካልኣይ ተኣሲረ፡፡ ብመኪና ሒዞምኒ እንትኸዱ ናበይ ከምዝወስዱኒ ኣይፈልጥን ነይረ፡፡ ንሱ ጭንቀትን ዘይምርግጋእን ፈጢሩለይ ነይሩ፡፡ ዳሓር ግን ከም ኩሉ ተጠርጣሪ እየ ጸኒሐ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ንብዙሕ ሰሙናት ቤተሰቡ ኣበይ ከምዘሎ ከይፈለጡ ካብ ምጽነሖም ብተወሳኺ በጻሒ ክመጾም ክልኩል ብምንባሩ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከምዝነበረ ክብሮም ይዛረብ፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምግብን ሕክምናን ጸገም ከምዝነበረ'ውን ገሊጹ፡፡

‘‘ጋዜጠኝነት ፈትየ ዝሰርሖ ሙያ ስለዝኾነ ስረሐይ ክቕጽል እየ፡፡ ብውልቀይ ዋላ ዋጋ ዘኽፍል እንተኾነ ሙያዊ ስነ ምግባረይ ሓልየ ስረሐይ ክቕጽል እየ’’ ብምባል ናብ ሙያ ጋዜጠኝነት ከምዝምለስ ተዛሪቡ፡፡

ክብሮም መጀመርታ ብልሙድ ‘ሶስተኛ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ይከኣል ከምዝበረን ምግቢ ይወስዱሉ ከምዝነበሩን ወላዲኡ ንቢቢሲ ተዘሪቦም ነይሮም፡፡

ኣብ 9 ሕዳር 2014 ዓ/ም ቤት ፍርዲ ብ 15 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑሉ፡፡

ወላዲኡ እቲ ናይ ውሕስና ገንዘብ ከፊሎም ንሓደ ሰሙን ተጸብዮም፤ ኮይኑ ግና ፖሊስ ይግባይ ሓቲቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ገይሩዎ፡፡

ክብሮም ኣበይ ከምዘሎ ምስተስኣነ ድማ ቤተሰቡ ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ መስሪቶም ኣብ ከይዲ ጸኒሑ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ስዒቡ ንክብሮም ወርቁ ሓዊሱ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም እዮም፡፡

ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተፈትሑ እንትኾኑ ካልኦት ግን ሕዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ፡፡