ጆ ባይደን ሃገሩ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸዘነቶ ነዳዲ ክትቐድሕ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነቲ ዝርአ ዘሎ ምንሃር ዋጋታት ነዳዲ ንምግታእ፡ ሃገሩ ካብቲ ዘለዋ ዕቑር ነዳዲ ክተውጽእ ኣዚዙ።
እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምውጻእ ነዳዲ 180 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዘኽእል ኮይኑ እቲ መኸዘኒ ካብ ዝምስረት (1974) ንፈለማ እዋን እዩ ክንድዚ ዝኣክል ነዳዲ ክቕዳሕ።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉ እኳ እንተሎ ድሕሪ እቲ ባይደን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ቅሩብ ወሪዱ ኣሎ።
እንተኾነ ግና ኣሜርካ ካብቲ ዝኸዘነቶ ነዳዲ መዓልታዊ 1 ሚልዮን በርሚል እንተቐድሐት’ውን ነቲ ሕጽረት ምሉእ ብምሉእ ዝኣልይ ከም ዘይኮነ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣሜሪካ ካብቲ ከዚናቶ ዘላ ነዳዲ ክትጥቀም ዝኣዘዘ “ናይ ባዕላ ምፍራይ ነዳዲ ብተዓጻጻፊ ክሳዕ ዝውስኽ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ከም መሰጋገሪ ኮይኑ ምእንቲ ከግልግል” እዩ ኢሉ።
ኩባንያታት፡ ነዳዲ ካብ መንግስቲ ምውሳድ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክገብሩዎ’ውን እቲ ፕረዚደንት ክሓትት እንከሎ፤ ሓምላይ ምንጪ ጸዓት ዘዘውትሩ ኩባንያታት ክተባብዑ ምዒዱ።
ድሕሪ ርእይቶ እቲ ፕረዚደንት ዋጋታት ዘይተጻረየ ነዳዲ ክሳዕ 7% ምጉዳል ኣርእዩ።
ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ኣብታ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ምርጫ እተካይድ ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ቀንዲ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።
ባይደን ካብቲ ‘ስትራተጂክ ፔትሮልዩም ሪዘርቭ’ ዝተሰመየ ክዙን ነዳዲ ክንጥቀም ዝወሰንና “ብዘይውጥንና” እዩ ኢሉ።
መኽዘን ነዳዲ ኣሜሪካ ክንደይ በርሚል ዝኸውን ይሕዝ፡ ኣብ መላእ ዓለም’ኸ ክንደይ ይሓልኽ?
- ስትራተጂካዊ መኽዘን ነዳዲ ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ኣብ 1970ታት ዘጋጠመ ናይ ጸዓት ቅልውላው እዩ ተመስሪቱ
- እቲ መኽዘን ኣብ መንጎ ክፍለግዝኣታት ቴክሳስን ሎዚያናን ዝርከብ በዓትታት እዩ ተደኲኑ ዘሎ
- ክሳዕ 25 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብቲ መኽዘን 568 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ክኽዘን እንከሎ ኣብ 2009 ልዕሊ 700 ሚልዮን በርሚል ሒዙ ነይሩ።
- ብመሰረት ግምታት ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት፡ ኣብዚ ዓመት፡ መዓልታዊ ልዕሊ 100 ሚልዮን በርሚል ፔትሮልዩምን ካልእ ፈሳሲ ነዳድን ይሃልኽ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
