መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ትግራይን ኣብ ምትሕልላፍ ረድኤት ንሓድሕዶም ይካሰሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምግባሮም ስዒቡ፡ ድሕሪ መዓልቲታት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሬት ክበጽሕ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ብምሕሳብ ጎንጺ'ኳ ደው እንተበልኩ ብወገን መራሕቲ ትግራይ ኣድላዪ ምትሕብባር ስለዘይተገበረለይ ብመሬት ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።
ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘለዉ ዜጋታት ብመሬት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ጻዕሪ'ኳ እንተገበረ ህወሓት ክተሓባበር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ጸገም ገጢምዎ ኣሎ ኢሉ።
እቲ መግለጺ ከምዝሓበሮ ቀረብ ረድኤት ዝተሓላለፈሉ መስመር ኣብዓላ ብዕጡቓት ህወሓት ስለዝተዓጸወ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 43 መካይን ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣይከኣላን ኢሉ።
ሰብመዚ ትግራይ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ጎንጺ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከምዝወሰደን ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ፍሰት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ከምዝገብርን ካብዝገለጸሉ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓነ ተሽከርካሪ ከምዘየለ ይገልፉ ኣለዉ።
ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ተጻብኦ ደው ከምዘብሉን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገብሩን ካብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት 2022 ዝገለጹ መራሕቲ ትግራይ ትማሊ ብወገን ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘሎ ዝገልጹ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ይነዝሕ ኣሎ ክብል ዝኸስስ መግለጺ መራሕቲ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዝኾነ ምትዕንቓፍ ክበጽሕ ምግባር ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ተነጺሉ ክረኣይ ኣለዎ ኢሉ።
ብተወሳኺ ናይ ቃላት ጸወታ ከብቅዕ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክጠልብ ይግባእ ዝበለ እቲ መግለጺ "ብመሰረት ዝተበጸሐ ምርድዳእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተገደበ ረድኤት ክኣቱ ክፈቅድ እኹል ጸቕጢ ክገብር" ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎን ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ዝካየድ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ መዓልታዊ ክካየድ ከምዘፈቐደን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብተወሳኺ ሓገዝ ብመሬት ብወገን ኣብዓላ ከቕርብ ከምዝወሰነ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊጹ።
ኣብዓላ ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ወረዳ ኮይና፡ ቀንዲ መተሓላለፊት ሰመራ መቐለ እያ። ኣብዓላ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ካብ እትኣቱ ኣዋርሕ ተቖጺሩ ኣሎ።
ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ዝገልጽ መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ካባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡን ጎንጺ ደው ንምባል ዝኣተዉዎ ቃል ክፍጽሙን ዓለም ለኻዊ ትካላት ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ።
ሰብመዚ ትግራይ ብወገኖም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ጎንጺ ደው ከምዘበሉ ብምዝኽኻር ማሕበረ ሰብ ዓለም ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ይበጽሕ ምህላዉ ከረጋግጽ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብታ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ዝተወለዐ ኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ንምሕጋዝ መዓልታዊ 100 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ክኣትዋ ከምዘለወን ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝቋረጽ ግን ኣዋርሕ ተቆጺሩ እዩ።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ንከቢድ ጸገም ዝተቓልጩ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዙሓት ሰባት ምስ ትግራይ ናብ ዝዋሰና ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተሰደዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
