ሩስያ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ዩክረይን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ወተሃደራት ዩክረይን ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስግኣት ኣሎ።
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሚኮሊዮቭ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሰለስተ ናይ ሩስያ ሚሳይላት ዝተወቕዐ ኮይኑ ኣብቲ መዓስከር ኣስታት 200 ወተሃደራት ደቂሶም ከምዝነበሩ ሓደ ፍልፍል ዜና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካልእ ሓደ ምንጪ ሓበሬታ ድማ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጽሖም 57 ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።
ዛጊድ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብዕሊ ዝተገለጸ ነገር የለን።
ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ድሕሪ እቲ 30 ሰዓታት ዝወሰደ ኣለሻ ሓደ ሰብ ኣብ እግሪ ፍርስራስ ህንጻ ምርካቦም ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ፍርስራስ ህንጻ ዝተረኸበ ሰብ ብኣምቡላንስ ናብ መኣኸል ከተማ ተወሲዱ።
ናይ ትማሊ ምሸት ኩነታት ኣየር ከተማ ማኮሊዮቭ ኣዝዩ ቆራር ስለዝኾነ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ንምርካብ ኣጸጋሚ ክገብሮ ከምዝኽእል ተሰጊኡ’ሎ።
ሓላፊ እቲ ክልል ቪታሊ ኪም ሩስያውያን “ብናይ ፈራሓት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝደቀሱ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ሮኬት ፈጺሞም” ክብል ነቒፉ።
ማክሲም ዝተብሃለ ወተሃደር ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ “ብውሕዱ 50 ኣስከሬናት ተረኺቦም። ክንደየኖት ኣብቲ ፍርስራስ ህንጻ ከምዘለዉ ግን ኣይንፈልጥን” ኢሉ።
እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ዕማም ሩስያ ካልእ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ ኣብ ዝብል ስግኣት ውሽጢ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ክሬን ዝዓነወ ፍስራስ ኮንክሪትን ሓጺነ መጺንን እንዳጎተተ እንከሎ ኣብ ሓለዋ እቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ናይ ነፈርቲ ወይ’ውን ሚሳኤል ድምጺ ስለዝተሰምዐ ጋዜጠኛታት ንኽሕብኡ ትእዛዝ ሂቦም።
ድሕሪ ዝተወሰነ ሴኮንድታት ብሸነኽ ሰሜን ምብራቕ ዘፍርሕ ነትጕ ተሰሚዑ።
በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ወተሃደራት ኣብ ዝርከብ ሓደ ድንኳን ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ 9 ሰባት ተቐቲሎም። ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸባ ዩሊያን ብዛዕባ እቲ ክስተት ክትዛረብ እንከላ ብንብዓት ተዓጂባ ነበረት።
“ክንደየናይ ዝኣክል ከምዝፈራሕና ክነግረካ ኣይክእልን። ኩላትና ኣብ ጉድጓድ ኢና እንነብር። እቲ መዓስከር ወተሃደራት ምስተወቕዐ ኩሉ ነገር ተንቀጥቂጡ” ኢላ።
ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቐት ዝነብር ኣንድሬ ኣንሲሞቭ ካብ ካልእ ከጋጥም ዝኽእል መጥቃዕቲ ሩስያ ክሃድም ይፍትን’ሎ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጠረ ጉድጓድ ዓሚዩቕ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ መኪናን ገዛን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉድጓድ ወዲቖም ይረኣዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ ኣንድሬን ስድርኡን ከም ኣጋጣም ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ኣይነበሩን። “እዚ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ዝካየድ ኵናት ኣይኮነን። ሩስያውያን ንኩላትና ከጥፍኡ’ዮም ዝፍትኑ ዘለዉ” ኢሉ።
ሚኮሊዮቭ ሩስያ ብሸነኽ ጸሊም ባሕሪ ገይራ ናብ ምዕራብ ንእትገብሮ ወፍሪ ገቲኣ ዝጸንሐት ኮይና እንተኾነ ግን ብሸነኽ ደቡብ እታ ከተማ ኣብ ሓደ ለይቲ ውሽጢ ከቢድ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ወተሃደራዊ ዕላማታት ከነጽሩ ዝተለኣኹ ሰራሕተኛታት ስለላ ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተረኸቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
