ኣብ ጣሻ ኣማዞን ዝጠፍኡ ቆልዑ ድሕሪ 4 ሰሙን ብህይወት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጫካ ኣማዞን ምስጠፍኡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ኣለሻ ዝተረኸቡ ክልተ ኣሕዋት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም፡፡
ደቂ ሸሞንተን ሽደሽተን ዝኾኑ ግላኮን ግሌሶን ፈሬራ፡ ለካቲት 18 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ኣብ ግዝኣት ኣማዞና ዝርክብ ጫካ ኣናእሽቱ ኣዕዋፍ ክሕዙ እንትፍትኑ እዮም ተሰዊሮም።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ሓደ ኣግራብ ዝቖርጽ ብኣጋጣሚ ብህይወት ረኺቡዎም።
እቶም ቆልዑ፡ ብጥሜት ማሲኖም ዝቐነዩ ኮይኖም፡ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ይእለዩ ኣለዉ።
እቶም ሰገናት ምሰ ተሰወሩ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ንሰሙናት ኣለሻ ወጺኦም ቀንዮም፤ እንተኾነ ቐቢጾሞም ነይሮም።
ኣብቲ ከባቢ ወቕቲ ዝናብ ብምዃኑ፡ ነቲ ኣለሻ ከምዘኽበዶ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እቲ ጣሻ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ደሪትዎም እዩ ቐንዩ ተባሂሉ።
ኣመዞንያ ሪል፡ ዝተብሃለ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝበሎ፡ ትካል ኣገልግሎት ሓደጋታት፡ እቲ ኣለሻ ብዕለት 24 ለካቲት ክቋረጽ ኣዚዙ እንተነበረ’ኳ፡ ነበርቲ ግን ኣለሻ ጠጠው ኣየበሉን።
ዳርጋ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ግና፡ ሓደ ኦም ዝቖርጽ ስብኣይ፡ ካብቲ ስድረኦም ዝነብርሉ ኣስታት 6 ኪሎሜትሮ ርሒቖም ረኺቡዎም።
ሓደ ካብቶም ቆልዑ፡ ናይ’ቲ ዝቑረጽ ኦም ድምጺ ምስ ሰምዐ ናይ ርድአና ኣውያት ኣስሚዑ።
ካብኡ፡ እቲ ስብኣይ ናብቲ ድምጺ ዝሰምዐሉ ከባቢ ተንቀሳቐሱ፡ እቶም ክልተ ቖልዑ ኣብ ባይታ ተሰጢሖም፣ ጠምዮምን ምሒር ደኺሞምን ረኺብዎም። ቆርበቶም ድማ ተመላሊጡ ከምዝነበረ እቲ ሚድያ ጸብጺቡ።
እቲ ሚድያ ወሲኹ ከምዝብሎ፡ እቶም ቆልዑ ካብቲ ዝጠፍእሉ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ዝብላዕ ከምዘይረኸቡን ናይ ዝናብ ማይ ጥራይ እናሰተዩ ከምዝቐነዩን ንስድረኦም ተዛሪቦም።
ግላኮን ግሌሶንን፡ ምስተረኸቡ ቐጥታ ማኒኮር ናብ ዝተብሃለ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል ተወሲዶም ዝነበሩ ኾይኖም፡ ጸኒሖም ድማ ብሄሊኮፕተር ማናውስ ናብ ዝተብሃለ ዝሓሸ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ ክብል፡ ግሎቦ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ።
ኣብ ጫካ ኣማዞን ሰባት ክጠፍኡ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ ሓደ ኣንቶንዮ ሰና ዝተብሃለ ኣብራሪ ነፋሪቱ ብሓደጋ ምስ ወደቐቶ፡ ንልዕሊ 36 መዓልቲታት ጠፊኡ ቀንዩ ነይሩ።
ኣብ 2008 ድማ፡ ሓደ ንሃደን ዝወጽአ ቆልዓ፡ ንልዕሊ 50 መዓልታት ጠፊኡ እንተተረኽበ’ኳ፡ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኣማዞንያ ሪል ዝተብሃለ ሚድያ ጸብጺቡ ነይሩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
