ብዙሓት ጋዜጠኛታት ሩስያ ወራር ዩክረይን ብምቅዋም ስረሖም ኣቋሪጾም

Published

ማሪና ኦቪዢንኮቫ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ለይቲ ዕለታዊ ዜና፡ ኣብ ቀጥታ መደብ መንግስታዊ ቴለቭዥን ተቓውሞ ምስ ኣስመዐት፡ ጸጥ ዝበለ ነገር ዝነበረ ኾይኑ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ስረሖም ከቋርጹ ክኢሎም።

ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንፕሮፖጋንዳ ሩስያ ዝሰርሕ ዝኾነ ጋዜጠኛ ስርሑ ክለቅቕ ጻውዒት ብምግባር፡ ነታ ጋዜጠኛ ናእድኡ ገሊጹ ኣሎ።

ንሱ፤ ዝኾነ ነዚ ኲናት ደጊፉ መሳርሒ ገበናት ፕሮፖጋንዳ ዝኾነ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ማዕቀባትን ሕጋዊ ተሓታትነትን ከምዝስዕቦ እዩ ዘጠንቅቕ።

ገለ ካብቶም ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እናወደሱ ዝውዕሉ፡ ከም ቭላድሚር ሲሎቭዮ ዝተብሃለ፡ ኣብ ሓደ እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ መደብር ቴለቭዥን እታ ሃገር [ቻነል ሮዘስያ-1] ሾው ዘቕርብ ድሮ'ኳ፡ ማዕቀብ ተነቢርሉ ይርከብ።

ካልእ ማዕቀብ ዝተነብረላ ጋዜጠኛ ድማ፤ ማርጋሪታ ሳይሞንያን እትብሃል ኮይና፤ ብቅሉዕ 'ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሩስያ ዘይድግፍ ክሓፍር ይግበኦ' ዝበለት እያ።

ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነና ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ እቲ መንግስቲ ዝብሎ ጥራይ ከጋውሓ እየን ዝግደዳ።

ስለዚ በዓል መን እዮም ስራሕ ለቒቖም ዘለዉ?

ማሪና ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ናይ ቀጥታ ፈነወ ወጺኣ፡ ተቓውሞ ምስ ኣስመዐት፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ሰለስተ ጋዜጠኛታት ስረሖም ከምዝለቐቑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ዣና ኣጋላኮቫ፡ ኣብ ቻነል ዋን ወኪል ዜና ኣውሮጳ ዝነበረት ኮይና፡ ካብቶም ቀዳሞት ስረሖም ጠጠው ዘበሉ ሓንቲ እያ።

ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ኤንቲቪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይቲ ቀዳማይ ተነሓናሓይ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ መደብር ቴሌቪዥን፡ ስረሖም ጠጠው ከምዘበሉ ኣፍሊጦም። ሊሊያ ጊልደያቫን ኤንቲቪ፡ ኣብ ኤንቲቪ፡ ካብ 2006 ጀሚራ ከም ኣቕራቢት ዜና ኮይና ዝሰርሐት ኮይና፡ ቫዲም ግሉስከር ድማ፡ ኣብኡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ነባር ጋዜጠኛ እዩ።

እቲ ወረታት ጋዜጠኛታት ምእዳምን ስራሕ ምልቃቕን ኣፍደገ 'ኦል ስቴት ቲቪ' ብዝብል ዝፍለጥ'ውን ኣንኳሕኹሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ጋዜጠኛ ሮማን ሱፐር፡ ብዙሓት ካብቲ መደብር ዜና ስረሖም ይገድፉ ኣለዉ ትብል፤ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።

ስርገይ ብሪለቭ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ መደብር ቴሌቪዥን ኣዝዩ ፍሉጥ ኣቕራቢ ዜና ኾይኑ፡ ስራሕ ለቒቑ ተባሂሉ ንዝቐረቡ ጸብጻባት ነጺጉ ተባሂሉ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዓመታዊ ዕረፍቲ ወጺኡ 'ምበር ስራሕ ኣይለቐቐን።

ዛጊድ ነቲ ኲናት ብምቅዋም፡ ስራሖም ካብ ዝገደፉ ጋዜጠኛታት፡ ማርያ ባሮኖቫ፡ እታ ኣዝያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዝነበረት ጋዜጠኛ ምዃና ይዝረብ።

ቅድም ክብል ሩስያ ቱደይ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ሕዚ ድማ ኣርቲ ሚድያ፡ ዋና ኣሰናዳኢት ዝነበረት ማርያ፡ ንቢቢሲ ከምዚ ክትብል ተዛሪባ።

"ሚስተር ፑቲን ክብሪ ሩስያ ኣዝዩ ሃስዩዎ እዩ። ቁጠባ እታ ሃገር ድማ ዳርጋ ሞይቱ እዩ ምባል ይከኣል።"

ካልኦት ኣብቲ መደብር ቴለቪዥን ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ወጻኢ ጋዜጠኛታት'ውን ለቒቖም ኣለዉ ተባሂሉ።

ወኪል ዜና ኤንቲቪ ዝነበረት፡ ሻኢዳ ኤድዋርድስ-ዳሽቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝጀመረትሉ መዓልቲ እያ ስራሓ ጠጠው ኣቢላ።

ምኽንያታ ግን ዛጊድ ኣየብረሀትን።

ጆኒ ቲክል፡ ዝተብሃለ ኣብ ሞስኮ ኾይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ድማ፡ 'ብሰንኪ እዋናዊ ኩነታት' ብዝብል ጉልባብ፡ ስርሑ ጠጠው ምባሉ ይዝረብ።

መደብ ፈረንሳይኛ ዘቕርብ ዝነበረ፡ ፍረደሪክ ታዲ ድማ፡ ሃገረይ ነዚ ኲናት ስለዝተቓወመት፡ ኣብዚ ስራሕ እንተቐጺለ ከም ክሕደት እየ ዝቖጽሮ ብዝብል ምኽንያት ስርሑ ጠጠው ከምዘበለ ተፈሊጡ።

መዓልታት ጸኒሑ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ብዘተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝርግሑ መደባት ኣርቲ 'ሕሶትን ስኑዕ ዜናን ብምንዛሕ' ብዝብል ከይስምዑ ከልኪሉ ኣሎ።

ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ካብ ጀርመን ዝፍኖ ዝነበረ መደብር ቴሌቪዥን ሩስያ ኣብዝሓ ጋዜጠኛታቱ ስረሖም ለቒቖም ኣለዉ።

ንመንግስቲ ዘይሰርሑን ንነጻ ፕሬስ ዝቃለሱን ጋዜጠኛታት ሩስያ፡ ብተደጋገሚ ንመንግስታዊ ጥቕዓት ተቓሊዖም ዝጸንሑ ኾይኖም በቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ምልቃቕ ስራሕ መንግስታዊ ጋዜጠኛታት፡ ብዙሕ ስምዒት ኣይፈጠረሎምን።

ኣብዝሓ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት ዝነበረ ኣገላልጻ፡ 'መሳርሒ ሓይልታት ወጻኢ' ዝብል ብየና እዩ ዝልጠፈሎም።

ካልኦት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ትካላት ሚድያ ድማ ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ ሩስያ ወይ ድማ ነቲ ወራር ብምቅዋም ስረሖም ጠጠው ኣቢሎም ኣለዉ።

ቢቢሲ ሩስያ ካብቶም ስራሕቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ሓደ እዩ።

ካልኦከ በዓል መን ስራሕ ጠው ኣቢሎም?

ካብ ገጻት ቴሌቪዥን ዝጠፍኡ ዘለዉ ግን ጋዜጠኛታት ጥራይ ኣይኮኑን።

ኣብ ሩስያ ካብቶም ፍሉጣት ቶክ ሾው ዝነበሮም[ኣብ ቻነል 1] ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ፡ ኢቫን ኡርጋንት፡ ነቲ ወራር ስዒቡ፡ 'ፍርሕን ቃንዛን፡ ኲናት ኣይፋሉን' ዝብል መልእክቲ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኣብ ኢንስታግራሙ ብምዝርጋሕ፡ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጸኒሑ ድማ፤ ንሰዓብቱ 'ኣጆኹም ኣይተጨነቑ፤ ዕረፍቲ ገይረ ክምለስ እየ' ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣዝዮም ግኑናት፡ ሰብ ሓዳር ዝኾኑ፡ ኣላ ፑጋቼቫን ማክሲም ጋልኪን፡ ብወገኖም ንዕረፍቲ ኣመኽዮም መደቦም ጠጠው ኣቢሎሞ ኣለዉ።

ጋልካን'ውን ኣብ ኢንስታግራም ገጹ፡ "ንኲናት ዝኾነ ርትዓዊነት የብሉን። ኲናት ኣይፋል" ዝብል ጠቂዑ እዩ መደቡ ጠጠው ኣቢሉ።