‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ንምፍታሕ፡ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዩክረይን ተበጊሱ ’

Published

ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ዩክረይን ተኣሲሮም ዝርከቡ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ንምፍታሕ፡ ኣብ በርሊን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ፡ ጉጅለ ዲፕሎማት ናብ ዩክረይን ይጓዓዝ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡

ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምክትል መራሒ ሚስዮን ኣምባሳደር ተፈሪ ታደሰ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ነቶም ተምሃሮ ከፍትሕ ዝተዋጸአ ጉጅለ ዲፕሎማት ረቡዕ ንጉሆ ናብ ዩክረይን ተበጊሱ እዩ፡፡

እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ኲናት ዩክረይን ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓሙሽተን ሸሞንተን ኣዋርሕ ናብተን ሸንገን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ኣውሮጳ ሕብረት ክኣትዉ እንትፍትኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ተታሒዞም ዝተኣሰሩ ከምዝኾኑ እቲ ኣምባሳደር ኣፍሊጡ፡፡

‘‘ዋላኳ እቶም ተምሃሮ ገበን ፈጺሞም ዝተኣሰሩ እንተኾኑ፡ ነዐኦም ንምሕጋዝ ሊሴ ፓሴ ብምድላው ክፍትሑ ይስራሕ ኣሎ’’ ኢሉ፡፡

ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ዩክረይንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይንን ድሕሪ ምዝርራቦም ጉዕዞ ከምዝተጀመረ እውን እቲ ኣምባሳደር ተዛሪቡ፡፡

ንኣመሓዳሪ ናይቲ እቶም ኢትዮጵያውያን ዝርከቡሉ ቤት ማእሰርቲ ረቡዕ ንጉሆ ከምዘዘራረቦ ዝገለጸ ኣምባሳደር ተፈሪ ‘‘ኣድላይ መረዳእታ ሒዝኩም መጺእኩም ውሰድዎም ’’ ኢሉ ፍቓድ ከምዝሃቦም ሓቢሩ፡፡

ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዩክረይን እናተምሃሩ ዝጸንሑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡን ናብ ፖላንድን ጀርመንን ኣትዮም ሕብረት ኣውሮጳ ዝሃቦም ናይ ሓደ ዓመት ዕድል ይጥቀሙ ከምዘለዉን ኣፍሊጡ፡፡

‘‘ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣለዉ፡፡ ናብ ዓዲ ክምለሱ ኣይደልዩን፡፡ ኣብኡ ኮይኖም ትምህርቶም ክውድኡ እዮም ዝደልዩ’’ ኢሉ፡፡

ቅድም ክብል ቢቢሲ ዘዘራረባ ሓንቲ ወለንተኛ፡ እቶም ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ዶብ ዘቋረጹ ተምሃሮ ዕለታዊ ድጋፍ ዝረኽቡ ካብ ወለንተኛታት ከምዝኾነን ንጸገም ተቓሊዖም ከምዝነበሩን ገሊጻ ነይራ፡፡

እቲ ኣምባሳደር ግና ክሳብ ዶብ ዩክረይንን ፖላንድን ከይዶም ኣብ ፖላንድ ምስዝነብሩ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡን ነቶም ተምሃሮ ንምሕጋዝ ኮሚተ ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝጸንሐን ተዛሪቡ፡፡

እቲ ኤምባሲ ‘‘ መሰል ዜጋታቱ ክኽበር ምግባር፣ ካብ ዶብ ክወጹ ምሕጋዝ እምበር ናብ ዓዶም ንክምለሱ ናይ ሓድሕድ ዜጋ ከይዲ ኢሚግሬሽን ኣይከታተልን ’’ ዝብል ኣምባሳደር ተፈሪ እቶም ተምሃሮ ጉዳዮም ብውልቀኦም ይውድኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ዩክረይን ንትምህርቲ ዝመጹ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ሞሮካያን (8000)፣ ናይጄርያውያን (4000)፣ ግብጻውያን (3000) ኮይኖም ውሑዳት ዘይበሃሉ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብታ ሃገር ከምዝነበሩ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ፡፡