ኲናት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣስሚዑ

ኣንጻር ወራር ሩስያ ዝቃለስ ዘሎ መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንመጋባእያ ክልቲኡ ባይቶታት ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣመሪካን መሻርኽታን ንህዝቢ ዩክረይን ዘርኣይዎ ምሕዝነትን ዝህብዎ ዘለዉ ደገፍን ከም ዝንእድ ገሊጹ።
ኣብ መደርኡ፡ ሃገራት ምዕራብ ንዝህብኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ደገፋት ብምምስጋን፡ ንመጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻልን ህዝቢ ንምድሓንን ናይ ክሊ ኣየር ውሕስነት ንምርካብ ነፈርቲን ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላትን ክወሃቦ ጠሊቡ።
እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዩክረይን ብምእታው ክገብርዎ ዝኽእሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ምስ ሩስያ ኣብ ቀጥታዊ ረጽሚ ዘምርሕ ብምዃኑ ከም ኣማራጺ ከም ዘይወስድዎ ብተደጋጋሚ ኣነጺሩ'ዩ።
ባይደን፡ ድሕሪ'ቲ መደረ ተወሳኺ ኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ።
ዘለንስኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ንፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳን ፓርላማ ብሪጣንያን ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ካብ ኣቕራቢ መስሓቕ መደብ ተለቪዢን ናብ ፕረዚደንትነት ዝደየበ ዘለንስኪ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሓይልታት ሩስያ ንሃገሩ ምስ ወረሩዋ መራሒ እዋን ኲናት ክኸውን ተገዲዱ ይርከብ።
ብዘርኣዮ ጽንዓትን ድማ፡ ካብ ዜጋታቱን ምዕራባውያን መራሕቲን ኣድናቖት ኣትሪፉ'ሎ።
ሩስያ፡ ነቲ ትቕጽሎ ዘላ፡ ሂወት ብዙሓት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ደው ከተብል እንተኾይና፡ ዘቕረበቶም ቅድመ-ኲነት ክማላእ ኣለዎ ብሃሊት'ያ።
ገለ ካብቲ ቅድመኩነታት፡ ዩክረይን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምዘይትኸውን መብጽዓ ክትኣቱ፡ ነቲ ብሓይሊ ተመንዚዑ ዝተወስደ ዞባ ክሪምያ ኣካል ሩስያ ምዃኑ ክትኣምንን፡ ክልተ ካልኦት ዞባታት (ዶነስክን ሉሃንስክን) ናጻ ሃገራት ምዃነን ኣፍልጦ ክትህብን ዝብሉ ይርከብዎም።
ዩክረይን ድሕሪ'ቲ ምስ ሩስያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ርክባት፡ ጠለባት ሩስያ ኢድካ ምሃብ'ዩ ብምባል ነጺጋቶ'ላ።
'መጻኢ ዩክረይን ዝውሰነሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና'
እቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ድሙቕ ጣቒዒትን ደገፍን ዝተዋህቦ ወተሃደራዊ ማልያ ዝተኸድነ ዘለንስኪ ""ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጥራይ ኣይኮነትን መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሪታትና እንኮላይ'ያ" ኢሉ።
ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ክሓስቡ እንከለዉ "መጥቃዕቲ መስከረም 11 ዘክሩ" ክብል ንክብደት ናይቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኩነታት ኣስሚሩሉ።
ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ናጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ውሑስ ክሊ ኣየር ክህሉ'ውን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተማሕጺኑ።
ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ሓዪሉ ክቕጽል'ውን እቲ ፕረዚደንት ጸዊዑ'ሎ።
"ሩስያ ንዩክረይን ንምድምሳስ እትጥቀመሉ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ከምዘይትረክብ ግበሩ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ዘለንስኪ፡ ንመደርኡ ሂወት ዜጋታት ሃገሩ ቅድምን ድሕርን ኲናት ምውልዑ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ንኣባላት ኮንግረስ ከም ዝዕዘቡ ገይሩ።
እቲ ቪድዮ፡ ህንጻታት ብሚሳይላት ሩስያ ክዓንዉን ግዳያት ናይቲ ኲናት ዝርከብሉ ሃለዋትን ዘብርህ'ዩ።
"ተባዕ ዩክረይን ህዝባ ንምድሓን ከትቃለስ'ያ" ክብል'ውን መርገጺኡ ከምዘይተቐየረ ኣነጺሩ።
"ወዲ 44 ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ሎሚ ግን ልዕሊ ሚእቲ ህጻናት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ዕድመይ ኣብቂዑ'ሎ" ክብል'ውን ተሰሚዑ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
