ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ፡ ንጆ ባይደን፣ ሂላሪ ክሊንተንን ካልኦትን ማዕቀብ ገይራትሎም

ጆ-ባይደንን ሂላሪ ክሊንተንን ማዕቀብ ብ 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆ-ባይደንን ሂላሪ ክሊንተንን ማዕቀብ ብ 2016
Published

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ካልኦት 12 ሰበ-ስልጣናትን ኣመሪካ እገዳ ከም ዘንበረ ሓቢሩ።

እቲ ዝርዝር እዚ ንዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ንጸሓፊ ምክልኻል ሎይድ ኣውስቲን፣ ንሓላፊ ፕረስ ጀን ሳኪን ካልኦት ኣባላት እቲ ምምሕዳርን የጠቓልል ።

ይኹን እምበር፡ ንክልተ ትጽቢት ዘይተገብሮም ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ወዲ ጆ- ባይደን ሃንተርን ዘጠቓለለ እውን እዩ።

እቲ ማዕቀብ ናብ ሩስያ ንከይኣትዉን ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ዝዀነ ይኹን ንብረቶምን ይእግዶም።

ይኹን እምበር፡ እቲ ምኒስትሪ ኣገልግሎት፡ እቲ ማዕቀብ ነቶም ዝተተንከፉ ውልቀ-ሰባት ኣድላዪ ዝዀነ ልዑል ርክብ ከምዘይክልክል ኣረዲኡ።

ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ዘለው ኣስማት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎ።

• ኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓለቓ ስታፍ ማርቆስ ሚለይ

• ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጃክ ሱሊቫን

• ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ደሊፕ ሲንግ

• ናይ ኣመሪካ ወኪል ኣህጉራዊ ምዕባለ (USAID) ኣማሓዳሪት ሳማንታ ፓወር

• ምክትል ዋና ጸሓፊ ትሬዤሪ ዋልይ ኣደየሞ

• ፕረዚደንት እታውን ሰደድን ባንክ ኣመሪካ ረታ ጆ ልዊስ ይርከቡዎም።

እቲ ምኒስትሪ እቲ እገዳ ብመጠን እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ሩስያ ዝወሰደቶ ማዕቀብ ግብረ መልሲ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ሩስያ እታ ካብ ዓለም ዝበዝሐ እገዳ ዝተገብረላ ሃገር እያ ።

ምዕራባውያን ሃገራት ድሮ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን ንሓለፊ ፕረስ ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሩስያ ኣጊደን ኣለዋ።

ብሰሉስ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ 11 መራሕቲ ምክልኻል ሩስያ እገዳ ከም ዝገበረት ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ልዕሊ ኪዳናዊ መሓዛ ፕረዚደንት ሞስኮ-ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ እውን እገዳ ክግበር ከም ዝኽእል ክታማ ኣንቢራ ኣላ ።

ኣቐድም ኣቢላ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት 370 ሩስያውያን ውልቀ-ሰባት፡ እንኮላይ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሩስያ ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ማዕቀብ ኣጽኒዓ ኣላ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየድ ህጹጽ ኣኼባ ኔቶ ንምስታፍ ንመሻርኽቱ ደገፍ ንምሃብን ናብ ኣውሮጳ ክጓዓዝ እዩ።

ርክብ ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ከምቲ ድሕሪ ዝሑል ኵናት ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ሂላሪ ክሊንተን ነቲ ንዕረፍቲ ዝኸውን ኣብ ሶቺ ክትዕድጎ ዝሓሰበት መጋየጺ መዘናግዒ ቤት ክትሓድጎ ትኽእል እያ ።

ጆ ባይደን ስልጣን መሪሕነቱ ምስ ወድአ ኣብ ሞስኮ ቢዝነስ ንምጅማር ዝሓሰቦ ነገር ኣይክሰልጥን እዩ።

እቲ ዘገርም፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመት ህዝባዊ ስልጣን ዘይነበራ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሂላሪ ዘንበረቶ "ማዕቀብ" ምሳልያዊ እኳ እንተ ኰነ፡ ነቲ ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢረንኦ ዘለዋ ሰንከልከል ዘብል ማዕቀብ ዝዳረግ ሳዕቤን የብሉን።

ካብቶም ኣብቲ ማዕቀብ ዝተዘርዘሩ ኣመሪካውያን ኣብ ሩስያ ዓቢ ገንዘባዊ ረብሓታት ዝነበሮ ሰብ የብሎምን።

እንተኾነ እዚ ማዕቀብ፡ መርኣያ ናይቲ ቅድሚ ወራር ዩክረይን ምግጣሙ ኣብ ሓድሕደን ዝነበረ ምትፍናን ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ

እቲ ንላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መሬት ሩስያ እግሩ ከይረግጽ ዝኽልክል ማዕቀብ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጅምር ዘሎ ዝሑል ኲናት ምዃኑ ናዲር ይሕብር ።

እዚ ርክብ ነቲ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ልዕሊ ኑክለራዊ ዘተ ኢራናውያን፡ ኮነ ዓለማዊ ዋዒን ካልእ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ብሓባር ክሰርሓ ዝነበረን ተስፋ ዘምክን እዩ።

ዝምድነአን ከኣ ካብ ግጭት ዩክረይን ወጻኢ ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እቲ ዝምድና ኣዝዩ እናደኸመ ይኸይድ ምህላው ርኡይ ኮይኑ ኣሎ።