እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ 2022፡ ብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ናብ ሳልሳይ ሰብ ተሰጋጊራ
ካብ ከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ ኣብ ጂኩምቢ ዝተዛዘመ 124.3 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ፕሮ ታች መይን ኬንት ክዛዘም እንከሎ ሰለስተ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣትዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መይን ከንት ንውድድሩ ሰልስተ ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 40 ካልኢትትን እዩ ዛዚሙ።
ወዲ ጋንታኡ ንመትከል እዮብ: ቡድያክ ኣናቶሊ ካልኣይ፡ ቦይለው ኣላን ካብ ቢ ኤንዲ ቢ ሆቴልስ ሳልሳይ: ተቐዳዳማይ ተረንጋኑ ፖሊጎን መትከል እዮብ ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ባይክ አይድ ከምኡ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ካልኢት ጥራይ ከሲሮም ሻዱሻይን ሻሙናይን ወጺኦም።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ምዓልቱ'ዩ ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ምውድኡ ኣብ ጽቡቕ ኣቓውማ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ።
ድሕሪ ጸወታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ናይ ሎሚ ጸወታ ብርቱዕ ምንባሩ ብምግላጽ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መድረኻት ብዙሕ ለውጢ ከምዝህሉ ገሊጹ።
ብጫ ማልያ
ካብ ግሬዝ ናብ ሪስትሮፖ ቫለንሽያ ጆናታን ዝተሰጋገረት ብጫ ማልያ ሎሚ ተጸዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ላውረን ኣግዘል ሒዝዋ ኣሎ።
ላውረን ኣግዘል እታ ንመንእሰያት ትውሃብ ማልያ'ውን ኣብ ዝባኑ'ያ ዘላ።
ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ንላውረን ኣግዘል ተኸቲሎም ካልኣይን ሳልሳይን ተሰሪዖም ኣለው።
ኣብ ብጫ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽን ካብ ቀዳማይ ብ10 ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ከኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ ካብ ላውረን ኣግዘል ብ17 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሓሙሻይ ተቐሚጡ'ሎ።
ሎሚ ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ መትከል እዮብ ኸኣ ብ1 ደቂቕን 55 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 18 ተሰሪዑ ኣሎ።
ንዝበለጽ ኣፍሪቃዊ ኣብ ትውሃብ ማልያ
ናትናኤል ተስፋጽዮን ቀዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ኮይኖም ይቅጽሉ ኣለዉ።
ብጋንታ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝወዳደረላ ድሮፕ ሆፐር ኣንድሮኒ ጆካቶሊ ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ።