ፐይስሊ ሸልቲስ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጠፈአት ህጻን ኣብ ምስጢራዊ ክፍሊ ብህይወት ተረኺባ

ፐይስሊ ሸልቲስ

ምንጪ ስእሊ, Saugerties Police

መግለጺ ስእሊ, ፐይስሊ ኣብ ሓምለ 2019 ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ ግዝኣት ቶይጋ እያ ጠፊኣ
Published

ኣብ 2019 ዝጥፍአት ህጻን ኣብ ትሕቲ መደያየቢ ኣብ ዝተሰርሐ ምስጢራዊ ክፍሊ ብህይወት ከምዝተረኸበት ፖሊስ ኒውዮርክ ገሊጹ።

እታ ፐይስሊ ሸልቲስ ዝተባህለት ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻን፡ ብሰኑይ ፖሊስ ኣብ ከተማ ሳውገርታይስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ብዝገበሮ ዳህሳስ እያ ተረኺባ።

ፐይስሊ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላን ምስ ሕጋዊ መዕበይታን ዓባይ ሓፍታን ከምዝተራኸበትን እውን ፖሊስ ገሊጹ።

ሕጋዊ መዕበይታ ዘይኮኑ ወለዳ ኣብ ምእላይ እታ ህጻን ጣልቃ ብምእታውን ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕን ተኸሲሶም ኣለዉ።

እታ ህጻን ኣብ ሓምለ 2019 ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ ግዝኣት ቶይጋ እያ ጠፊኣ፤ ኣብቲ እዋን ጓል ኣርባዕተ ዓመት ነይራ።

ፐይስሊ ምስጠፍአት ብወለዳ ኪምበርሊ ኩፐርን ኪርክ ሸልቲስን ተጨውያ ኢሎም ከምዝኣምኑ ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም።

ፖሊስ እታ ህጻን ኣብ ከተማ ሳውገርቲስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ተሓቢኣ ተቐሚጣ ከምዘላ ሓበሬታ ምስረኸበ፡ ነቲ ገዛ ክፍትሽ ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ገዛ ቅድሚ ሐዚ እውን ተፈቲሹ ነይሩ እዩ።

እቲ መንበሪ ገዛ እንትፍተሽ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኪርክ ሸልቲስ ዝተባህለ በዓል ዋናን ኣቦ ሓጎ እታ ህጻንን ፡ ፐይስሊ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፈልጥ ንፖሊስ ተዛሪቡ።

ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝተገበረ ፍተሻ፡ ሓደ ካብቶም መርመርቲ፡ እቲ ናብ ምድሪ ቤት ዘውርድ መደያይቦ ብፍሉይ ከምዝተሰረሐ ኣስተውዒሉ።

እቶም ፖሊስ ኣብቲ ደረጃ ተደርዲሩ ዝነበረ ብዙሕ ጣውላታት ምስኣልዓሉ፡ ፐይስሊን ወ/ሮ ኩፐርን "ንኡሽቶ፥ ዝሑልን ዝጠልቀየን" ክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ ተዓቢጠን ከምዝረኸቡወን ገሊጾም።

ፐይስሊ ሕክምናዊ ምርመራ ከምዝተገበረላን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላን ተሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ነታ ህጻን ጨውዮም ብምውሳድ ዝተኸሰሱ ሕጋዊ መዕበይታ ዘይኮኑ ወለዳን ኣቦ ሓጎኣን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቶም ኣቦን ወድን ንግዚኡ ከምዝተፈትሑ ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ተወሳኺ ምርመራ የካየድ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።